ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 69

ገብርኤል ንማርያም በጽሓ

ገብርኤል ንማርያም በጽሓ

ኤልሳቤጥ ከኣ ማርያም ዝስማ ብዕድመ ኻብኣ ዝነኣሰት ዘመድ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ከተማ ናዝሬት ትነብር ነበረት። ማርያም ድማ ዮሴፍ ንዚብሃል ጸራቢ ተሓጽያ ነበረት። ኤልሳቤጥ ካብ እትጠንስ ኣብ ሻድሻይ ወርሓ ኸኣ፡ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ተራእያ። ‘ሰላም፡ ማርያም። ኣብ የሆዋ ብዙሕ ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ’ በላ። ንሳ ግና ገብርኤል እንታይ ማለቱ ኸም ዝነበረ ኣይተረድኣን። ሽዑ ድማ፡ ‘ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትብልዮ ኢኺ። ንሱ ንጉስ ኪኸውን እዩ። መንግስቱ እውን ንዘለኣለም ክትነብር እያ’ በላ።

ማርያም ከኣ፡ ‘ኣነ ግና ድንግል እየ። ከመይ ኢለ እየ ዝወልድ፧’ በለቶ። ገብርኤል ድማ፡ ‘ንኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ኣይሰኣኖን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌኺ ኪኸውን እዩ፣ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ። ኤልሳቤጥ ዘመድኪ እውን ጠኒሳ ኣላ’ በላ። ሽዑ፡ ማርያም፡ ‘ኣነ ባርያ የሆዋ እየ። ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ’ በለቶ።

ማርያም ድማ ንኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ናብ ሓንቲ ኣብ ኵርባታት ይሁዳ እትርከብ ከተማ ኸደት። ሽዑ ኸኣ፡ ኤልሳቤጥ ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ውሽጣ ኺሰራሰር ተሰምዓ። ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ድማ፡ ‘ማርያም፡ የሆዋ ባሪኹኪ እዩ። ኣደ ጐይታይ ናብ ቤተይ ክትመጽስ ንዓይ ክብሪ እዩ’ በለታ። ማርያም ከኣ፡ ‘ብዅሉ ልበይ ንየሆዋ እውድሶ እየ’ በለት። ምስ ኤልሳቤጥ ድማ ሰለስተ ወርሒ ጸንሐት፣ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ቤታ፡ ናብ ናዝሬት ተመልሰት።

ዮሴፍ ከኣ፡ ማርያም ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ፡ ነቲ ሕጸ ኼቋርጾ ሓሰበ። ብሕልሚ ግና መልኣኽ ተራእዮ እሞ፡ ‘ንምምርዓዋ ኣይትፍራህ። ዋላ ሓንቲ ጌጋ ኣይገበረትን’ በሎ። ስለዚ፡ ዮሴፍ ንማርያም፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ናብ ቤቱ ወሰዳ።

“የሆዋ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን . . . ባህ ዝበሎ ዅሉ ይገብር እዩ።”—መዝሙር 135:6