ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 70

መላእኽቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ኣበሰሩ

መላእኽቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ኣበሰሩ

ቄሳር ኣውጉስጦስ ሃጸይ ሮሜ፡ ኵሎም ኣይሁድ ነናብ ከተማኦም ከይዶም ኪምዝገቡ ኣዋጅ ኣውጽአ። ዓሌት ዮሴፍ ኻብ ቤት-ልሄም ስለ ዝነበሩ፡ ሽዑ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤት-ልሄም ከዱ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ማርያም እትወልደሉ ግዜ ቐሪቡ ነበረ።

ናብ ቤት-ልሄም ምስ በጽሑ፡ ብዘይካ ደምበ፡ ካልእ መሕደሪ ኺረኽቡ ኣይከኣሉን። ማርያም ከኣ ንወዳ የሱስ ኣብኡ ወለደቶ። ብልስሉስ ዓለባ ጠቕሊላ ኸኣ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።

ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም ከኣ፡ ንመጓሰኦም እናሓለዉ ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት ነበሩ። ብሃንደበት ድማ፡ መልኣኽ ኣብ ቅድሚኦም ደው በለ፣ ብርሃን ክብሪ የሆዋ ኸኣ ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ። እቶም ጓሶት እውን ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ግና፡ ‘ኣይትፍርሁ። ብስራት ሒዘልኩም እየ መጺአ። ሎሚ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ተወሊዱ ኣሎ’ በሎም። ሽዑሽዑ ድማ፡ ብዙሓት መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ተራእዩ እሞ፡ ‘ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማይ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ’ በሉ። ድሕሪኡ፡ እቶም መላእኽቲ ኣይተራእዩን። እሞኸ እቶም ጓሶት እንታይ ገበሩ፧

እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ ‘ሕጂ ናብ ቤት-ልሄም ንኺድ’ ተባሃሃሉ። ብቕልጡፍ ከይዶም ከኣ፡ ንዮሴፍን ንማርያምን ነቲ ሓድሽ እተወልደ ሕጻኖምን ኣብ ደምበ ረኸብዎም።

ብዛዕባ እቲ እቶም መላእኽቲ ነቶም ጓሶት ዝበልዎም ነገር ዝሰምዐ ዘበለ ዅሉ ድማ ተገረመ። ማርያም ከኣ ብዛዕባ ቓላት እቶም መላእኽቲ ኣጸቢቓ ትሓስብ ነበረት፡ ፈጺማ እውን ኣይረስዓቶን። እቶም ጓሶት ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ንየሆዋ እናኣመስገኑ ናብ መጓሰኦም ተመልሱ።

“ኣነ ኻብ ኣምላኽ መጺአ እየ ኣብዚ ዘለኹ . . . ንሱ ደኣ እዩ ልኢኹኒ እምበር፡ ኣነስ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን።”—ዮሃንስ 8:42