ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 71

የሆዋ ንየሱስ ኣዕቈቦ

የሆዋ ንየሱስ ኣዕቈቦ

ብሸነኽ ምብራቕ እስራኤል ኣብ እትርከብ ሓንቲ ሃገር፡ ብኸዋኽብቲ ዚኣምኑ ህዝቢ ነበሩ። ሓደ ምሸት፡ ገሊኦም ካብ ምብራቕ ዝዀኑ ሰባት ድሙቕ ኰዀብ ዚመስል ነገር ኣብ ሰማይ ረኣዩ እሞ ኪስዕብዎ ጀመሩ። እቲ “ኰዀብ” ከኣ ናብ የሩሳሌም መርሖም። እቶም ሰባት ድማ፡ ‘እቲ ንጉስ ኣይሁድ ዚኸውን ሕጻን ኣበይ ኣሎ፧ ክንሰግደሉ ኢና መጺእና’ ኢሎም ኪሓትቱ ጀመሩ።

ሄሮድስ ንጉስ የሩሳሌም ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ንጉስ ምስ ሰምዐ፡ ብዙሕ ተጨነቐ። ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ፡ ‘እቲ ንጉስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧’ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ‘ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ነብያት ገሊጾም እዮም’ ኢሎም መለሱሉ። ስለዚ፡ ሄሮድስ ነቶም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ሰባት፡ ‘ናብ ቤት-ልሄም ኬድኩም ነቲ ሕጻን ርኸብዎ። ተመሊስኩም ከኣ ኣበይ ከም ዘሎ ንገሩኒ። ኣነ እውን ክሰግደሉ እደሊ እየ’ በሎም። ግናኸ፡ ሓስዩ እዩ ኸምኡ ኢልዎም።

ድሕሪኡ፡ እቲ “ኰዀብ” ኪንቀሳቐስ ጀመረ። እቶም ሰባት ከኣ ክሳብ ቤት-ልሄም ሰዓብዎ። እቲ “ኰዀብ” ድማ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ቤት ደው በለ፣ እቶም ሰባት እውን ናብታ ቤት ኣተዉ። ኣብኡ ኸኣ ንየሱስን ንኣዲኡ ማርያምን ረኸብዎም። ሽዑ፡ ነቲ ሕጻን ሰገዱሉ፡ ህያባት ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን እውን ሃብዎ። ግናኸ፡ የሆዋ ድዩ ነዞም ሰባት እዚኦም ናብ የሱስ መሪሕዎም፧ ኣይኰነን።

በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንዮሴፍ ብሕልሚ፡ ‘ሄሮድስ ንየሱስ ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ሰበይትኻን ወድኻን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም። ክትምለስ ከም እትኽእል ክሳዕ ዝነግረካ እውን ኣብኡ ጽናሕ’ በሎ። ብኡብኡ፡ ዮሴፍን ስድራ ቤቱን ናብ ግብጺ ኸዱ።

የሆዋ ኸኣ ነቶም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ሰባት ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ነገሮም። ሄሮድስ ድማ ናብኡ ኸም ዘይምለሱ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ንየሱስ ኪረኽቦ ስለ ዘይክእል ከኣ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ዚርከቡ ዅሎም ሕጻናት ኪቕተሉ ኣዘዘ። የሱስ ግና ካብኡ ርሒቑ ኣብ ግብጺ ስለ ዝነበረ፡ ጕድኣት ኣየጋጠሞን።

ጸኒሑ፡ ሄሮድስ ሞተ። የሆዋ ድማ ንዮሴፍ፡ ‘ሕጂ ኸይሰጋእካ ኽትምለስ ትኽእል ኢኻ’ በሎ። ዮሴፍን ማርያምን የሱስን ከኣ ናብ እስራኤል ተመልሱ፣ ኣብ ከተማ ናዝሬት እውን ተቐመጡ።

“እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃል እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። . . . ብርግጽ ኬስልጥ እዩ።”—ኢሳይያስ 55:11