ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምርህቲ 72

የሱስ ብንእስነቱ

የሱስ ብንእስነቱ

ዮሴፍን ማርያምን ምስ የሱስን ካልኦት ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ናዝሬት ይነብሩ ነበሩ። ዮሴፍ ከኣ ጸራቢ ዀይኑ እናዓየየ ንስድራኡ ይናቢ ነበረ፣ ብዛዕባ የሆዋን ሕጉን እውን ይምህሮም ነበረ። ኣምልኾ ንምቕራብ ከኣ ኣዘውቲሮም ናብ ምኵራብ ይኸዱ ነበሩ። ፋስጋ ንምብዓል ድማ ዓመት ዓመት ናብ የሩሳሌም ይጕዓዙ ነበሩ።

የሱስ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ፡ ስድራ ቤቱ ኸም ልማዶም ናብ የሩሳሌም ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዕዙ። እታ ኸተማ ኸኣ ፋስጋ ኼብዕሉ ብዝመጹ ሰባት መሊኣ ነበረት። ድሕሪኡ፡ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ዓዶም ኪምለሱ ጀመሩ። ሽዑ ድማ፡ የሱስ ምስቶም መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም ነበረ። ኣብ ኣዝማዶም ምስ ደለይዎ ግና፡ ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን።

ናብ የሩሳሌም ተመልሱ እሞ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ደለይዎ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብታ ቤተ መቕደስ ከዱ። ኣብኡ ኸኣ የሱስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ ተጠንቂቑ እናሰምዖምን ጽቡቕ ሕቶታት እናሓተቶምን ረኸብዎ። እቶም መምህራን ድማ ብየሱስ ስለ እተደነቑ፡ ሕቶታት ይሓትትዎ ነበሩ። በቲ ምላሹ እውን የስተንክሩ ነበሩ። ሕጊ የሆዋ ይርድኦ ኸም ዝነበረ፡ ኪርእዩ ይኽእሉ ነበሩ።

ዮሴፍን ማርያምን ከኣ ብዙሕ ተሻቒሎም ነበሩ። ማርያም ድማ፡ ‘ወደየ፡ ኣብ ኵሉ ኽንደልየካ ጸኒሕና! ኣበይ ኢኻ ኔርካ፧’ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ‘ኣብዚ ኣብ ቤት ኣቦይ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧’ በላ።

የሱስ ድማ ምስ ወለዱ ናብ ናዝሬት ከደ። ዮሴፍ ከኣ ንየሱስ፡ ዕዮ ጽርበት መሃሮ። የሱስ መንእሰይ ምስ ኰነ ኸመይ ዝኣመሰለ ሰብ ዝነበረ ይመስለካ፧ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብሞገስን እናወሰኸ ይኸይድ ነበረ።

“ኦ ኣምላኸይ፡ ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ፣ ሕግኻ ድማ ኣብ ውሽጠይ እዩ።”—መዝሙር 40:8