ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 75

ድያብሎስ ንየሱስ ፈተኖ

ድያብሎስ ንየሱስ ፈተኖ

የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ናብ በረኻ ተመርሐ። ን40 መዓልቲ ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይበልዐ ድማ፡ ኣመና ጠመየ። ሽዑ፡ ድያብሎስ ንየሱስ ኪፍትኖ መጸ እሞ፡ ‘ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል’ በሎ። የሱስ ግና፡ ‘ብህይወት ንምንባር ካብ ምግቢ ንላዕሊ ኸም ዜድሊ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዚዛረቦ ቓል እውን ክትሰምዕ ከም ዚግባእ ጽሑፍ ኣሎ’ ኢሉ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት መለሰሉ።

ቀጺሉ፡ ድያብሎስ ንየሱስ፡ ‘ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ ላዕለዋይ ጫፍ ቤተ መቕደስ ጽደፍ። ኣምላኽ መላእኽቱ ኸም ዚሰድድ እሞ ንሳቶም ከም ዚሕዙኻ ጽሑፍ ኣሎ’ በሎ። የሱስ ግና፡ ‘ንየሆዋ ኣይትፈትኖ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ’ ኢሉ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ብሓድሽ ጠቐሰሉ።

ድሕሪኡ፡ ሰይጣን ንየሱስ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለምን ሃብተንን ክብረንን ኣርኣዮ እሞ፡ ‘ሓንሳእ ጥራይ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዘን ኵለን መንግስትታት ክህበካ እየ’ በሎ። የሱስ ግና፡ ‘ንየሆዋ ጥራይ ኣምልኮ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ኪድ፡ ሰይጣን!’ በሎ።

ድሕርዚ፡ ድያብሎስ ሓዲግዎ ኸደ፣ መላእኽቲ ናብ የሱስ መጺኦም ከኣ፡ ዚብላዕ ሃብዎ። ካብኡ ንደሓር፡ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽ ነበረ። ናብ ምድሪ ድማ ነቲ ዕዮ እቲ ኺዓዪ እዩ ተላኢኹ። ሰባት ንትምህርቲ የሱስ ይፈትውዎ ነበሩ፣ ኣብ ዝኸዶ ዅሉ እውን ይስዕብዎ ነበሩ።

“ድያብሎስ . . . ሓሳውን ኣቦ ሓሶትን ስለ ዝዀነ፡ ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ።”—ዮሃንስ 8:44