ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 76

የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ

የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ

ኣብ ከባቢ ወርሒ ሚያዝያ 30 ድ.ክ.፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከደ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ፋስጋ ንምብዓል ናብታ ኸተማ መጹ። ኣብቲ በዓል ድማ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ እንስሳታት ይስውኡ ነበሩ። ገሊኦም ሰባት ነቶም እንስሳታት ሒዞምዎም ይመጹ ነበሩ፣ ገሊኦም ግና ኣብ የሩሳሌም ይዕድግዎም ነበሩ።

የሱስ ናብታ ቤተ መቕደስ ምስ ኣተወ፡ እንስሳታት ዚሸጡ ሰባት ረኣየ። ኣብታ ቤት ኣምልኾ የሆዋ፡ ከይሓፈሩ መኽሰብ ኪረኽቡ ይጽዕሩ ነበሩ! እሞኸ የሱስ እንታይ ገበረ፧ ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ነተን ኣባጊዕን ነቶም ከብትን ካብታ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም። ሰደቓታት ኣሽረፍቲ ኸኣ ገልበጠ፡ ሰልዶም እውን ኣብ ባይታ ፋሕ በለ። የሱስ ከኣ ነቶም ሸየጥቲ ረገቢት፡ ‘ነዚ ኻብዚ ኣልግስዎ! ንቤት ኣቦይ፡ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዋ!’ በሎም።

ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ሰባት ከኣ በቲ የሱስ ዝገበሮ ተገረሙ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዛዕባ መሲሕ፡ ‘ምእንቲ ቤት የሆዋ፡ ቅንኣት ኪሓድረኒ እዩ’ ዚብል ትንቢት ከም ዝነበረ ዘከሩ።

ደሓር፡ ኣብ 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ካልኣይ ሳዕ ኣጽርይዋ እዩ። ዝዀነ ሰብ ንቤት ኣቦኡ ኺንዕቕ ኣይፈቅድን እዩ ነይሩ።

“ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”—ሉቃስ 16:13