ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 79

የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ

የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ

የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ ኢሉ እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። ንጉስ ምስ ኰነ እንታይ ከም ዚገብር ምእንቲ ኼርኢ ግና፡ የሆዋ ንዕኡ ቕዱስ መንፈሱ ብምሃብ፡ ተኣምራት ኪገብር ሓይሊ ሃቦ። ስለዚ፡ ኵሉ ዓይነት ሕማም ኬሕዊ ይኽእል ነበረ። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ፡ ሕሙማት ሓገዙ ደልዮም ናብኡ ይመጹ ነበሩ፡ ንሱ እውን ንዅሎም የሕውዮም ነበረ። ዕዉራት ይርእዩ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ልሙሳት ብእግሮም ይኸዱ፡ ኣጋንንቲ ዚቈጻጸርዎም ሰባት እውን ናጻ ይዀኑ ነበሩ። ጫፍ ክዳኑ እኳ እንተ ተንክዮም፡ ይሓውዩ ነበሩ። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ እውን ሰባት ይስዕብዎ ነበሩ። የሱስ በይኑ ኪኸውን ኪደሊ ኸሎ እኳ፡ ይቕበሎም ነበረ።

ሓደ ግዜ፡ ልሙስ ሰብኣይ ናብታ የሱስ ዝነበራ ቤት ኣምጽኡሉ። ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ ግና፡ ናብታ ቤት ኪኣትዉ ኣይከኣሉን። ስለዚ፡ ነቲ ናሕሲ ኣፍሪሶም፡ ነቲ ሰብኣይ ናብ የሱስ ኣውረድዎ። ሽዑ፡ የሱስ ነቲ ሰብኣይ፡ ‘ተንስእ እሞ ኺድ’ በሎ። ከምኡ ምስ ገበረ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ተገረሙ።

ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ፡ የሱስ ናብ ሓንቲ ቝሸት ምስ ኣተወ፡ ዓሰርተ ድዉያት ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ‘የሱስ፡ ሓግዘና!’ ኢሎም ጨርሑ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ድዉያት ናብ ሰብ ኪቐርቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። የሱስ ከኣ ነቶም ሰባት፡ ናብ ቤተ መቕደስ ኪኸዱ ነገሮም፣ ከመይሲ፡ ድዉያት ምስ ሓወዩ፡ ከምኡ ኺገብሩ ሕጊ የሆዋ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። ኣብ መገዲ ኸለዉ ድማ፡ ሓወዩ። ሓደ ኻብቶም ድዉያት ከም ዝሓወየ ምስ ረኣየ፡ ንየሱስ ንምምስጋንን ንኣምላኽ ንምውዳስን ተመሊሱ መጸ። ካብቶም ዓሰርተ፡ እዚ ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ንየሱስ ኣመስጊንዎ።

ሓንቲ ን12 ዓመት ዝሓመመት ሰበይቲ፡ ክትሓዊ ብዙሕ ትጽዕር ነበረት። ንሳ ኸኣ ብመንጎ ህዝቢ፡ ንየሱስ ብድሕሪኡ ቐሪባ ጫፍ ክዳኑ ተንከየት። ብኡብኡ እውን ሓወየት። ከምኡ ምስ ኰነ፡ የሱስ፡ “መን እዩ ዝተንከየኒ፧” በለ። እታ ሰበይቲ ድማ ፈሪሃ እኳ እንተ ነበረት፡ ናብኡ ቐሪባ እቲ ሓቂ ነገረቶ። የሱስ ከኣ፡ ‘ጓለየ፡ ብሰላም ኪዲ’ ኢሉ ኣጸናንዓ።

ያኢሮስ ዝስሙ መራሕ ምኵራብ ድማ፡ ‘ጓለይ ብርቱዕ ሕማም ሓሚማ ኣላ እሞ፡ ናብ ቤተይ ግዳ ንኺድ’ ኢሉ ለመኖ። የሱስ ናብ ቤት ያኢሮስ ቅድሚ ምብጻሑ ግና፡ እታ ጓል ሞተት። የሱስ ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ብዙሓት ሰባት ነቶም ስድራ ኼተሓዝንዎም ተኣኪቦም ነበሩ። የሱስ ድማ፡ ‘ደቂሳ ኣላ እሞ፡ ኣይትብከዩ’ በሎም። ድሕሪኡ፡ ነታ ጓል ብኢዳ ሒዙ፡ “ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ!” በላ። ንሳ ድማ ብኡብኡ ተንስአት፣ የሱስ ከኣ ንወለዳ፡ ዚብላዕ ኪህብዋ ኣዘዞም። ወለዳ ኸመይ ከም እተሰምዖም እሞ ሕስብ ኣብሎ!

“ኣምላኽ ንዕኡ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረን ንዅሎም እቶም ድያብሎስ ዝጨቈኖም እናኣሕወየን ኣብታ ምድሪ ኸም ዝዞረ ትፈልጡ ኢኹም።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:38