ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 81

ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት

ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት

የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያት ምስ ሓረዮም፡ ካብቲ ኸረን ወረደ እሞ ብዙሓት ህዝቢ ናብ እተኣከቡሉ ቦታ መጸ። እቶም ህዝቢ ድማ ካብ ገሊላን ይሁዳን ጢሮስን ሲዶንን ሶርያን ካብ ስግር ዮርዳኖስን ዝመጹ ነበሩ። ሕሙማትን ብኣጋንንቲ ዚሳቐዩን ሰባት እውን ኣምጽኡሉ። የሱስ ከኣ ንዅሎም ኣሕወዮም። ብጎቦ እቲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ድማ ኪዛረብ ጀመረ። ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክንከውን እንተ ዄንና፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ገለጸ። ኣብ ህይወትና መምርሒ የሆዋ ኸም ዜድልየና ኽንፈልጥን ንዕኡ ኸነፍቅሮን ኣሎና። ንሰባት ዘይነፍቅሮም እንተ ዄንና ግና፡ ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ኣይንኽእልን ኢና። ንዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ንጸላእትና ኽንልውሃሎም ኣሎና።

የሱስ ድማ ከምዚ በለ፦ ‘ንኣዕሩኽኩም ጥራይ ምፍቃር እኹል ኣይኰነን። ንጸላእትኹም እውን ከተፍቅሩ፡ ካብ ልቢ ኸኣ ይቕረ ኽትብሉሎም ኣሎኩም። ሓደ ሰብ ብኣኻ እንተ ሓሪቑ፡ ናብኡ ኼድካ ይቕረታ ኺገብረልካ ሕተቶ። ንሰባት ከምቲ ኺገብሩልኩም እትደልይዎም ግበሩሎም።’

የሱስ ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት እውን ጽቡቕ ምኽሪ ሃበ። ከምዚ ድማ በለ፦ ‘ብዙሕ ገንዘብ ካብ ምጥራይ፡ ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ኣጸቢቑ ይሓይሽ። ሰራቒ ንገንዘብኩም ኪሰርቆ ይኽእል እዩ፣ ምስ የሆዋ ዘሎኩም ዕርክነት ግና ዋላ ሓደ ኺሰርቆ ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባ እትበልዕዎ፡ እትሰትይዎ፡ ወይ እትኽደንዎ ኣይትጨነቑ። ንኣዕዋፍ እሞ ረኣይወን። ኣምላኽ ንዓታተን እኹል ዚብላዕ ይህበን እዩ። ብምጭናቕኩም፡ ኣብ ዕድመኹም ሓንቲ መዓልቲ እኳ ኣይትውስኹን ኢኹም። የሆዋ ዜድልየኩም ዘበለ ኸም ዚፈልጥ ኣይትረስዑ።’

እቶም ህዝቢ ኸም ናይ የሱስ ገይሩ ዚዛረብ ሰሚዖም ኣይፈልጡን ነበሩ። መራሕቲ ሃይማኖቶም እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣይመሃርዎምን። ስለምንታይ እዩ የሱስ ዓብዪ መምህር ዝዀነ፧ ምኽንያቱ፡ ኵሉ ትምህርቱ ኻብ የሆዋ እዩ ነይሩ።

“ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንርእስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”—ማቴዎስ 11:29