ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 84

የሱስ ብማየ ማይ ከደ

የሱስ ብማየ ማይ ከደ

የሱስ ሕሙማት ኬሕውን ምዉታት ኬተንስእን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንንፋስን ንዝናምን እውን ኪቈጻጸር ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብ ከረን ደዪቡ ድሕሪ ምጽላዩ፡ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኣማዕደወ እሞ፡ ማዕበል ከም ዝዀነ ረኣየ። ሽዑ፡ ሃዋርያቱ ኣብ ጃልባኦም ኰይኖም፡ ኣንጻር ንፋስ ንምቕዛፍ ይቃለሱ ነበሩ። የሱስ ከኣ ካብቲ ኸረን ወሪዱ ብማየ ማይ ናብታ ጃልባ ኸደ። እቶም ሃዋርያት ድማ ብማየ ማይ ዚኸይድ ምስ ረኣዩ፡ ፈርሁ። የሱስ ግና፡ ‘ኣነ እየ። ኣይትፍርሁ’ በሎም።

ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ብሓቂ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ክመጸካ ኣዝዘኒ’ በሎ። የሱስ ድማ ንጴጥሮስ፡ ‘ንዓ’ በሎ። ኣብ ማእከል እቲ ማዕበል ከኣ፡ ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ ናብ የሱስ ከደ። ጥቓኡ ምስ በጽሐ ግና፡ ህቦብላ ንፋስ ረኣየ እሞ ፈርሀ። ኪጥሕል እውን ጀመረ። ሽዑ፡ ጴጥሮስ፡ ‘ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ!’ ኢሉ ኣእወየ። የሱስ ከኣ፡ ‘ስለምንታይ ተጠራጢርካ፧ እምነትካ ኣበይ ኣላ፧’ እናበለ ብኢዱ ሓዞ።

የሱስን ጴጥሮስን ድማ ናብታ ጃልባ ደየቡ፣ ብኡብኡ እውን እቲ ህቦብላ ንፋስ ሃድአ። እቶም ሃዋርያት እንታይ ከም እተሰምዖምሲ ኽትግምትዶ ትኽእል፧ ንሳቶም ንየሱስ፡ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” በልዎ።

የሱስ ንዅነታት ኣየር እተቘጻጸረሉ ኣጋጣሚ፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ካልእ ግዜ፡ የሱስን ሃዋርያቱን ነቲ ባሕሪ ብጃልባ ኺሳገርዎ ኸለዉ፡ የሱስ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ደቀሰ። ደቂሱ ኸሎ ድማ፡ ብርቱዕ ህቦብላ ተላዕለ። ማዕበል ከኣ ነታ ጃልባ ይጸፍዓ ነበረ፣ እታ ጃልባ እውን ብማይ መልአት። ሽዑ፡ ሃዋርያት ንየሱስ፡ ‘መምህር፡ ክንመውት ኢና! ርድኣና!’ እናበሉ ኣበራበርዎ። የሱስ ከኣ ተንሲኡ ነቲ ባሕሪ፡ “ህዳእ!” በሎ። ብኡብኡ እውን፡ እቲ ንፋስን እቲ ባሕርን ሃድአ። የሱስ ድማ ነቶም ሃዋርያት፡ ‘እምነትኩም ኣበይ ኣላ፧’ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንሓድሕዶም፡ “ንፋስን ባሕርን እኳ ይእዘዝዎ” ተባሃሃሉ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቶም ሃዋርያት ብየሱስ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተኣሚኖም፡ ዋላ ሓንቲ ኺፈርሁ ኸም ዘይብሎም ተማህሩ።

“ሕያውነት የሆዋ ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ እንተ ዘይኣምንሲ እንታይ ምዀንኩ፧”—መዝሙር 27:13