ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 86

የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ

የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ

የሱስ ኣብ ቢታንያ ዚነብሩ ሰለስተ ናይ ቀረባ ፈተውቲ ነበርዎ። ንሳቶም ከኣ ኣልኣዛር ዚብሃል ሰብኣይን ማርያምን ማርታን ዚብሃላ ኣሓቱን ነበሩ። ሓደ መዓልቲ፡ የሱስ ስግር ዮርዳኖስ ከሎ፡ ማርያምን ማርታን፡ ‘ኣልኣዛር ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ቐልጢፍካ ምጻእ’ ኢለን መልእኽቲ ለኣኻሉ። የሱስ ግና ብኡብኡ ኣይተበገሰን። ክልተ መዓልቲ ጸንሐ እሞ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ናብ ቢታንያ ንኺድ። ኣልኣዛር ደቂሱ ኣሎ፣ ኣነ ግና ከተንስኦ እየ’ በሎም። እቶም ሃዋርያት ከኣ፡ ‘ኣልኣዛር ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ካብ ሕማሙ ኺጥዒ እዩ’ በልዎ። ስለዚ፡ የሱስ ብንጹር፡ ‘ኣልኣዛር ሞይቱ እዩ’ በሎም።

የሱስ ኣብ ቢታንያ ምስ በጽሐ፡ ኣልኣዛር ካብ ዚቕበር ራብዕቲ ገይሩ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ንማርታን ንማርያምን ኬጸናንዕወን መጺኦም ነበሩ። ማርታ ድማ የሱስ ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐት፡ ክትረኽቦ ተቐላጢፋ ኸደት። ንየሱስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” በለቶ። የሱስ ድማ፡ ‘ሓውኪ ኺትንስእ እዩ። ማርታ፡ ነዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧’ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ‘ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእ እኣምን እየ’ በለቶ። የሱስ ድማ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” በላ።

ሽዑ፡ ማርታ ናብ ማርያም ከይዳ፡ ‘የሱስ መጺኡ’ በለታ። ማርያም ከኣ ቀልጢፋ ናብ የሱስ ከደት፣ ብዙሓት ሰባት ድማ ሰዓብዋ። ኣብ እግሩ ተደፊኣ ኸኣ፡ በኸየት። ‘ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓውና ኣይምሞተን ነይሩ’ በለቶ። የሱስ ድማ ክሳዕ ክንደይ ትሓዝን ከም ዘላ ረኣየ፣ ስለዚ፡ ንሱ እውን ኪነብዕ ጀመረ። እቶም ሰባት ከኣ ንሱ ኺነብዕ ምስ ረኣዩ፡ ‘የሱስ ንኣልኣዛር ክንደይ ይፈትዎ ኸም ዝነበረ እሞ ርኣዩ’ በሉ። ገሊኦም ግና፡ ‘ስለምንታይ እዩ ንዓርኩ ዘየድሓኖ፧’ ኢሎም ሓሰቡ። እሞኸ የሱስ ቀጺሉ እንታይ ገበረ፧

የሱስ ናብቲ ብዓብዪ እምኒ እተዓጽወ መቓብር ከደ። “ነዚ እምኒ ኣልግስዎ” ኢሉ እውን ኣዘዞም። ሽዑ፡ ማርታ፡ ‘ራብዕቲ ገይሩ እዩ! ሕጂ ጨንዩ እዩ’ በለቶ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ እምኒ ኣልገስዎ፣ የሱስ ድማ፡ ‘ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣለኹ። እዞም ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ ዓው ኢለ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፡ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓንስ እፈልጥ እየ’ በለ። ድሕሪኡ፡ ዓው ኢሉ፡ “ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ” በለ። ሽዑ፡ ሓደ መስተንክር ነገር ኰነ፦ ኣልኣዛር ብዓለባታት በፍታ ተጠቕሊሉ ኸሎ ካብቲ መቓብር ወጸ። የሱስ ከኣ፡ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም።

ብዙሓት ነዚ ዝረኣዩ ድማ፡ ብየሱስ ኣመኑ። ገሊኦም ግና ከይዶም ንፈሪሳውያን ነገርዎም። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ እቶም ፈሪሳውያን ንኣልኣዛርን ንየሱስን ኪቐትልዎም ደለዩ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት ከኣ ብሕቡእ ናብ ፈሪሳውያን ከይዱ፡ ‘ንየሱስ ክትረኽብዎ እንተ ሓጊዘኩም፡ ክንደይ ትኸፍሉኒ፧’ በሎም። ንሳቶም ድማ 30 ብሩር ኪህብዎ ተሰማምዑ፣ ይሁዳ ኸኣ ንየሱስ ኣብ ኢድ ፈሪሳውያን ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ኣጋጣሚ ይደሊ ነበረ።

“ንዓናስ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ዜድሕን ኣምላኽ እዩ፣ የሆዋ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ድማ ካብ ሞት መዋጽኦ ዚገብር ኣምላኽ እዩ።”—መዝሙር 68:20