ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 87

ናይ መወዳእታ ድራር የሱስ

ናይ መወዳእታ ድራር የሱስ

ኣይሁድ ዓመት ዓመት ኣብ ወርሒ ኒሳን፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ፋስጋ የብዕሉ ነበሩ። እዚ ኸኣ የሆዋ ኻብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጺኡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኸም ዘእተዎም ዜዘኻኽር እዩ ነይሩ። ኣብ ዓመተ 33 ድ.ክ. ግና፡ የሱስን ሃዋርያቱን ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ደርቢ፡ ፋስጋ ኣብዓሉ። ኣብ መወዳእታ እቲ ድራር ከኣ፡ የሱስ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” በሎም። እቶም ሃዋርያት ድማ በዚ ሰምበዱ፣ ‘መን እዩ፧’ ኢሎም እውን ሓተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ‘እቲ እንጌራ ዝህቦ እዩ’ በሎም። ሽዑ፡ ቍራስ እንጌራ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ሃቦ። ብኡብኡ፡ ይሁዳ ተንሲኡ ኻብታ ኽፍሊ ወጸ።

ሽዑ፡ የሱስ ጸልዩ፡ ነቲ እንጌራ ቘሪሱ፡ ነቶም ዝተረፉ ሃዋርያቱ ሃቦም። ‘ካብዚ እንጌራ ብልዑ። እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ ማለት እዩ’ በሎም። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ወይኒ ጸልዩ፡ ነቶም ሃዋርያቱ ሃቦም። ‘ካብዚ ወይኒ ስተዩ። እዚ ንሕድገት ሓጢኣት ዚውሃብ ደመይ ማለት እዩ። ኣብ ሰማይ ነገስታት ከም እትዀኑ ቓል እኣትወልኩም ኣለኹ። እዚ ንመዘከርታይ ዓመት ዓመት ግበርዎ’ በሎም። ሰዓብቲ የሱስ ክሳዕ ሎሚ ዓመት ዓመት በታ ምሸት እቲኣ ኣኼባ ይገብሩ ኣለዉ። እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ሕጂ ድራር ጐይታ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ድሕሪ እቲ ድራር፡ እቶም ሃዋርያት መኖም ከም ዚዓቢ ተኸራኸሩ። የሱስ ግና፡ ‘እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ፡ እቲ ንርእሱ ዝነኣሰት ገይሩ ዚርእያ እዩ’ በሎም።

ብተወሳኺ ድማ፡ ‘ንስኻትኩም ኣዕሩኸይ ኢኹም። እቲ ኣቦይ ክነግረኩም ዚደለዮ ዘበለ ዅሉ ነጊረኩም እየ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ናብ ኣቦይ፡ ናብ ሰማይ ክኸይድ እየ። ንስኻትኩም ኣብዚ ኽትተርፉ ኢኹም። ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም ከኣ፡ ሰባት በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኪፈልጡ እዮም። ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’ በሎም።

ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ ናብ የሆዋ ጸለየ፣ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ኼዕቍቦም እውን ለመኖ። ብዘይካዚ ድማ፡ ብሰላም ሓቢሮም ምእንቲ ኺዓይዩ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለመነሎም። ስም የሆዋ ኪቕደስ እውን ጸልየ። ድሕሪኡ፡ የሱስን ሃዋርያቱን ንየሆዋ ብመዝሙር ወዲሶም ናብ ወጻኢ ኸዱ። የሱስ ዚትሓዘላ ግዜ ቐሪባ ነበረት።

“ኣታ ሒደት መጓሰ፡ መንግስቲ ኺህበኩም ኣቦኹም ሰሚርዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ።”—ሉቃስ 12:32