ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 88

የሱስ ተታሕዘ

የሱስ ተታሕዘ

የሱስን ሃዋርያቱን ንስንጭሮ ቄድሮን ሰጊሮም ናብ ደብረ ዘይቲ ኸዱ። ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ነበረ፣ ወርሒ እውን ደሚቓ ነበረት። ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ምስ በጽሑ፡ የሱስ፡ “ኣብዚ ኹኑ፡ ምሳይ እውን ንቕሑ” በሎም። ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ተምበርከኸ እሞ፡ ብዙሕ እናተጨነቐ፡ “ፍቓድካ ይኹን” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። ሽዑ፡ የሆዋ መልኣኹ ልኢኹ ንየሱስ ኣተባብዖ። የሱስ ናብቶም ሃዋርያት ምስ ተመልሰ፡ ሰለስተ ኻባታቶም ደቂሶም ረኸቦም። ንሱ ኸኣ፡ ‘ተበራበሩ! እዚኣ ሰዓት ድቃስ ኣይኰነትን! ኣብ ኢድ ጸላእተይ ዝውሃበላ ሰዓት በጺሓ ኣላ’ በሎም።

ድሕሪኡ፡ ይሁዳ ኣስያፍን ኣባትርን ንዝሓዙ ህዝቢ መሪሕዎም መጸ። ናብታ ስፍራ ኣታኽልቲ ብዙሕ ሳዕ ይኸዱ ብምንባሮም፡ ንየሱስ ኣበይ ከም ዚረኽቦ ይፈልጥ ነበረ። ይሁዳ ኸኣ ነቶም ወተሃደራት፡ ንየሱስ ኬለልይዎ ምልክት ከም ዚህቦም ነጊርዎም ነበረ። ትኽ ኢሉ ናብ የሱስ ከይዱ ድማ፡ ‘ሰላም፡ መምህር’ ኢሉ ሰዓሞ። የሱስ ከኣ፡ ‘ይሁዳ፡ ብምስዓም ኣሕሊፍካዶ ትህበኒ ኣለኻ፧’ በሎ።

የሱስ ድማ ንቕድሚት ሰጒሙ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ” በሎም። ንሳቶም ከኣ ኣድሓርሓሩ፡ ናብ ምድሪ እውን ወደቑ። የሱስ ድማ ከም ብሓድሽ፡ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ መሊሶም፡ “ንየሱስ እቲ ናዝሬታዊ” በሉ። የሱስ ድማ፡ ‘“ኣነ እየ” ኢለ እኮ ነጊረኩም እየ። ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም’ ኢሉ መለሰሎም።

ጴጥሮስ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምስ ተረድኦ፡ ሰይፉ መሊሑ ንሓደ ማልኮስ ዝስሙ ባርያ ሊቀ ኻህናት እዝኑ ቘረጾ። የሱስ ግና ንእዝኒ እቲ ሰብኣይ ተንክዩ ኣሕወዮ። ድሕሪኡ፡ ንጴጥሮስ፡ ‘ንሰይፍኻ ምለሳ። ብሰይፊ እንተ ተዋጊእካ፡ ብሰይፊ ኽትመውት ኢኻ’ በሎ። ሽዑ፡ እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ሒዞም ኣእዳዉ ኣሰርዎ፣ እቶም ሃዋርያት ከኣ ሃደሙ። ድሕሪኡ፡ እቶም ህዝቢ ንየሱስ ናብ ሃና እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ሃና ድማ ንየሱስ ብሕቶታት መርመሮ፣ ናብ ቤት ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት እውን ሰደዶ። ሽዑ ግና ነቶም ሃዋርያት እንታይ ኣጋጠሞም፧

“ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ።”—ዮሃንስ 16:33