ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 89

ጴጥሮስ ንየሱስ ከሓዶ

ጴጥሮስ ንየሱስ ከሓዶ

የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ኣብታ ደርቢ ኸሎ፡ ‘ኵላትኩም ሎሚ ለይቲ ሓዲግኩምኒ ኽትከዱ ኢኹም’ ኢልዎም ነይሩ እዩ። ሽዑ፡ ጴጥሮስ፡ ‘ካልኦት እኳ እንተ ሓደጉኻ፡ ኣነስ ኣይሓድገካን እየ’ ኢሉ መሊሱሉ ነይሩ እዩ። የሱስ ግና ንጴጥሮስ፡ ‘ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ “ኣይፈልጦን እየ” ኢልካ ኽትክሕደኒ ኢኻ’ ኢልዎ ነይሩ እዩ።

እቶም ወተሃደራት ንየሱስ ናብ ቤት ቀያፋ ምስ ወሰድዎ፡ መብዛሕትኦም ሃዋርያት ሃደሙ። ክልተ ኻባታቶም ግና ምስቲ ህዝቢ ተሓዊሶም ሰዓብዎ። እቲ ሓደ ድማ ጴጥሮስ ነበረ። ንሱ ኸኣ ናብ ኣጸድ እንዳ ቀያፋ ኣተወ፡ ሓዊ እውን ይስሕን ነበረ። ሓንቲ ገረድ ድማ ብብርሃን እቲ ሓዊ ንጴጥሮስ ረኣየቶ እሞ፡ ‘ፈሊጠካ ኣለኹ! ምስ የሱስ ኔርካ ኢኻ!’ በለቶ።

ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ኣይነበርኩን። ብዛዕባ እንታይ ትዛረቢ ኸም ዘለኺ ኣይፈልጥን እየ!’ በላ። ናብ ኣፍ ደገ ገጹ እውን ከደ። ሓንቲ ኻልእ ገረድ ምስ ረኣየቶ ድማ፡ ነቶም ሰባት፡ ‘እዚ ሰብኣይ እዚ ምስ የሱስ ነይሩ እዩ!’ በለቶም። ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ንየሱስ ኣይፈልጦን እየ!’ በለ። ሓደ ሰብኣይ ድማ፡ ‘ንስኻ ሓደ ኻባታቶም ኢኻ! ኣዘራርባኻ እኳ ኸም የሱስ ካብ ገሊላ ምዃንካ ይሕብር እዩ’ በሎ። ጴጥሮስ ግና፡ ‘ኣይፈልጦን እየ!’ ኢሉ መሓለ።

ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ። የሱስ ከኣ ንጴጥሮስ ቍሊሕ ኢሉ ጠመቶ። ሽዑ፡ ጴጥሮስ ነቲ የሱስ እተዛረቦ ዘከረ፣ ናብ ወጻኢ ኸይዱ እውን ኣምሪሩ በኸየ።

ሽዑ፡ ኣባላት እቲ ዋዕላ ዚብሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ንየሱስ ንምፍራድ ኣብ ቤት ቀያፋ ተኣከቡ። ንሳቶም ከኣ ንየሱስ ኪቐትልዎ ወሲኖም ነበሩ፣ ከምኡ ንምግባር ድማ ምኽንያት ይደልዩ ነበሩ። ዋላ ሓንቲ በደል ግና ኣይረኸቡሉን። ኣብ መወዳእታ፡ ቀያፋ ንየሱስ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ ዲኻ፧’ ኢሉ ብቐጥታ ሓተቶ። የሱስ ከኣ፡ ‘እወ፡ እየ’ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ፡ ቀያፋ፡ ‘ካልእ መርትዖ ኣየድልየናን እዩ። እዚ ጸርፊ እዩ!’ በለ። እቶም ኣባላት እቲ ቤት ፍርዲ ኸኣ፡ ‘እዚ ሰብ እዚ ሞት ይግብኦ እዩ’ ኢሎም መለሱ። ድሕርዚ፡ ንየሱስ ጸፍዕዎ፡ ጡፍ በሉሉ፡ ንኣዒንቱ ሸፊኖም ከኣ፡ ‘ነብዪ እንተ ዄንካ፡ መን ይወቕዓካ ኸም ዘሎ ንገረና’ እናበሉ ወቕዕዎ።

ምስ ወግሐ፡ ንየሱስ ናብ ዋዕላኦም ወሲዶም፡ ‘ወዲ ኣምላኽ ዲኻ፧’ ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ‘ከምኡ ምዃነይ፡ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣለኹም’ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ፡ ንኣምላኽ ተጻሪፉ ብዚብል ክሲ ገበነኛ ገይሮም ናብ ቤተ መንግስቲ ጶንጥዮስ ጲላጦስ እቲ ሮማዊ ሹም ወሰድዎ። ድሕሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

“ኵላትኩም ነናብ ቤትኩም ፋሕ እትብሉላ፡ ንበይነይ እውን እትሓድጉኒ ሰዓት . . . መጺኣ . . . ኣላ። ግናኸ፡ ኣቦይ ምሳይ ስለ ዝዀነ፡ በይነይ ኣይኰንኩን።”—ዮሃንስ 16:32