ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 93

የሱስ ናብ ሰማይ ተመልሰ

የሱስ ናብ ሰማይ ተመልሰ

ኣብ ገሊላ፡ የሱስ ምስ ሰዓብቱ ተራኸበ። ሽዑ ድማ፡ ‘ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ። ኣነ ዝመሃርኩኹም ድማ ምሃርዎም፣ ከምኡ እውን ኣጥምቕዎም’ ኢሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትእዛዝ ሃቦም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ‘ኣነ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ምዃነይ ኣይትረስዑ’ ኢሉ ቓል ኣተወሎም።

የሱስ ኣብቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝነበረ 40 መዓልቲ፡ ኣብ ገሊላን ኣብ የሩሳሌምን ንኣማእታት ደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። ኣገዳሲ ትምህርትታት ከኣ መሃሮም፣ ብዙሕ ተኣምራት እውን ገበረ። ድሕርዚ፡ የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ደብረ ዘይቲ ተራኸበ። ሽዑ ድማ፡ ‘ካብ የሩሳሌም ኣይትውጽኡ። ነቲ ኣቦ ዘተስፈዎ ተጸበዩ’ በሎም።

ሃዋርያቱ ኸኣ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኣይተረድኦምን። ስለዚ፡ ‘ሕጂ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ዲኻ፧’ ኢሎም ሓተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ‘እቲ የሆዋ ዝመደቦ ኣነ ዝነግሰሉ ግዜ ኣይኣኸለን። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም፣ መሰኻኽረይ እውን ክትኰኑ ኢኹም። ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ኣብ ወሰናት ምድርን ድማ ስበኹ’ በሎም።

ሽዑ፡ የሱስ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ደበና እውን ሸፈኖ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ስቕ ኢሎም ይጥምቱ ነበሩ፣ ንሱ ግና ኣኺልዎ ኸይዱ ነበረ።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ የሩሳሌም ከዱ። ኣብ ሓንቲ ደርቢ ኸኣ ኣዘውቲሮም ይእከቡን ይጽልዩን ነበሩ። ካብ የሱስ ተወሳኺ መምርሒ ንምርካብ እዮም ዚጽበዩ ነይሮም።

“እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።”—ማቴዎስ 24:14