ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 95

ዋላ ሓደ ደው ኬብሎም ኣይከኣለን

ዋላ ሓደ ደው ኬብሎም ኣይከኣለን

ሓደ ብኣእጋሩ ኪኸይድ ዘይክእል ሰብኣይ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። ሓደ ድሕሪ ቐትሪ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ‘በጃኹም ትዀቡለይ’ ኢሉ ለመኖም። ጴጥሮስ ከኣ፡ ‘ካብ ገንዘብ ዚበልጽ ነገር ክህበካ እየ። ብስም የሱስ፡ ተንሲእካ ኺድ!’ በሎ። ሽዑ፡ ጴጥሮስ ደጊፉ ምስ ኣተንስኦ፡ እቲ ሰብኣይ ኪዛወር ጀመረ! እቶም ህዝቢ ድማ በዚ ተኣምር እዚ ተሓጐሱ፣ ብዙሓት እውን ኣመኑ።

እቶም ካህናትን ሰዱቃውያንን ግና ተቘጥዑ። ነቶም ሃዋርያት ሒዞም ከኣ ናብ ቤት ፍርዲ ወሰድዎም፣ ‘ነዚ ሰብኣይ እዚ ኸተሕውይዎ መን ሓይሊ ሂቡኩም፧’ ኢሎም እውን ሓተትዎም። ጴጥሮስ ድማ፡ ‘ካብቲ ዝቐተልኩምዎ የሱስ ክርስቶስ ኢና ሓይሊ ተቐቢልና’ ኢሉ መለሰሎም። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ፡ ‘ብዛዕባ የሱስ ምዝራብ ደው ኣብሉ!’ ኢሎም ጨደሩሎም። እቶም ሃዋርያት ግና፡ ‘ብዛዕባኡ ኽንዛረብ ኣሎና። ደው ኣይነብልን ኢና’ በልዎም።

ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ተፈትሑ፡ ናብ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸይዶም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ነገራት ነገርዎም። ብሓባር ኰይኖም ናብ የሆዋ ኣብ ዘቕረብዎ ጸሎት ድማ፡ ‘ዕዮኻ ምእንቲ ኽንዓዪ፡ ተባዓት ክንከውን በጃኻ ሓግዘና’ ኢሎም ለመንዎ። ሽዑ፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ሃቦም፣ ንሳቶም እውን ምስባኽን ንሕሙማት ምሕዋይን ቀጸሉ። ብዙሓት ሰባት እውን ኣመኑ። ሰዱቃውያን ከኣ ኣዝዮም ስለ ዝቐንኡ፡ ነቶም ሃዋርያት ሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደርበይዎም። ብለይቲ ግና፡ የሆዋ መልኣኹ ለኣኸ፣ እቲ መልኣኽ ከኣ ነቶም ሃዋርያት መዓጹ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ኣውጽኦም እሞ፡ ‘ናብ ቤተ መቕደስ ኬድኩም ምሃሩ’ በሎም።

ንጽብሒቱ፡ ነቶም ኣብቲ ዋዕላ ዚቕመጡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ‘እቲ ቤት ማእሰርቲ ተሸጒሩ ኣሎ፣ እቶም  ዝሓዝኩምዎም ሰባት ግና ኣብኡ የለዉን! ኣብ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ’ ተባሂሉ ተነግሮም። ንሳቶም ድማ ከም ብሓድሽ ነቶም ሃዋርያት ሓዝዎም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እውን ኣቕረብዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ ‘ብስም የሱስ ከይትዛረቡ ኣዚዝናኩም ደይነበርናን፧’ በሎም። ጴጥሮስ ግና፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ኢሉ መለሰ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣዝዮም ስለ እተቘጥዑ፡ ነቶም ሃዋርያት ኪቐትልዎም ደለዩ። ግናኸ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ ተንስአ እሞ፡ ‘ተጠንቀቑ! ኣምላኽ ምስዞም ሰባት እዚኦም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱዶ ትደልዩ ኢኹም፧’ በሎም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ምኽሩ ሰምዑ። ድሕርዚ፡ ነቶም ሃዋርያት ገረፍዎም፣ ስብከቶም ደው ኬብሉ መሊሶም ኣዚዞም ድማ ኪኸዱ ሓደግዎም። እዚ ግና ነቶም ሃዋርያት ደው ኣየበሎምን። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብትብዓት ይሰብኩ ነበሩ።

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ።”—ግብሪ ሃዋርያት 5:29