ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 96

የሱስ ንሳውል ሓረዮ

የሱስ ንሳውል ሓረዮ

ኣብ ጠርሴስ እተወልደ ሮማዊ ዜግነት ዘለዎ ሳውል ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሕጊ ኣይሁድ ኣጸቢቑ ዚፈልጥ ፈሪሳዊ ነበረ፣ ንክርስትያናት እውን ይጸልኦም ነበረ። ንክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ካብ በቤቶም ጐቲቱ እናኣውጽአ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይድርብዮም ነበረ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ጭፍራ ሰባት ተቘጢዖም ንእስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ኣብ ዝቐተሉሉ እዋን፡ ንሱ ኣብኡ ደው ኢሉ ይዕዘብ ነበረ።

ሳውል ግና ነቶም ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ ክርስትያናት ጥራይ ብምእሳር ኣይዓገበን። ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚርከቡ ክርስትያናት ምእንቲ ኺኣስሮም ኢሉ፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ፡ ናብ ደማስቆ ኪልእኮ ሓተቶ። ሳውል ናብታ ኸተማ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ ብሃንደበት ኣብ ዙርያኡ ድሙቕ ብርሃን በርሀ፣ ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ወደቐ። ‘ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧’ ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዐ። ሳውል ድማ፡ ‘መን ኢኻ፧’ ኢሉ ሓተተ። ‘ኣነ የሱስ እየ። ናብ ደማስቆ እቶ እሞ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኽትፈልጥ ኢኻ’ ዚብል መልሲ እውን ተዋህቦ። ሽዑሽዑ፡ ሳውል ዓወረ፣ ስለዚ፡ ብኢዱ መሪሖም ናብታ ኸተማ ኣእተውዎ።

ኣብ ደማስቆ ኸኣ፡ ሃናንያ ዝስሙ እሙን ክርስትያን ነበረ። የሱስ ድማ ንዕኡ ብራእይ፡ ‘ቅንዕቲ ኣብ እትብሃል ጐደና፡ ናብ ቤት ይሁዳ ኺድ፣ ንሳውል እውን ድለዮ’ በሎ። ሃናንያ ኸኣ፡ ‘ኣነ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰሚዐ ኣለኹ! ንደቀ መዛሙርትኻ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይድርብዮም ኣሎ!’ በሎ። የሱስ ግና፡ ‘ንብዙሓት ኣህዛብ ብስራት ኪሰብኽ ንሳውል ሓርየዮ እየ እሞ፡ ናብኡ ኺድ’ በሎ።

ሽዑ፡ ሃናንያ ንሳውል ረኸቦ እሞ፡ ‘ሳውል ሓወይ፡ የሱስ ኣዒንትኻ ክኸፍተልካ ናባኻ ልኢኹኒ’ በሎ። ብኡብኡ ድማ፡ ሳውል ኪርኢ ኸኣለ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ የሱስ ተማህረ እሞ፡ ሰዓቢኡ ዀነ። ክርስትያን ኰይኑ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ምስ ካልኦት ክርስትያናት ብሓባር ኰይኑ ኣብ ምኵራባት ኪሰብኽ ጀመረ። ኣይሁድ ንሳውል፡ ብዛዕባ የሱስ ኪምህር ምስ ረኣይዎ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሰምበዱስ ክትግምቶዶ ትኽእል፧ ‘እዝስ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዚሃድኖም ዝነበረ ሰብኣይ ደይኰነን፧’ በሉ።

ሳውል ከኣ ንሰለስተ ዓመት ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ሰባት ሰበኸሎም። ኣይሁድ ንሳውል ብዙሕ ስለ ዝጸልእዎ፡ ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ። ክርስትያን ኣሕዋት ግና ብዛዕባ እቲ ውዲት ስለ ዝፈለጡ፡ ኬምልጥ ሓገዝዎ። ኣብ ከፈር ገይሮም ድማ፡ በቲ ኣብቲ መካበብያ ኸተማ ዚርከብ መስኰት ኣውረድዎ።

ሳውል ናብ የሩሳሌም ምስ ከደ፡ ምስቶም ኣብኡ ዚርከቡ ኣሕዋት ኪሕወስ ፈተነ። ንሳቶም ግና ፈርህዎ። ሽዑ፡ በርናባስ ዝስሙ ለዋህ ወደ መዝሙር፡ ንሳውል ናብቶም ሃዋርያት ወሰዶ፣ ሳውል ብሓቂ ኸም እተለወጠ እውን ኣእመኖም። ሳውል ከኣ ምስታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ሓቢሩ ብቕንኣት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ ጀመረ። ጸኒሑ ኸኣ፡ ጳውሎስ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።

“ክርስቶስ የሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን እዩ መጺኡ። ካባታቶም እውን ኣነ ኣውራ እየ።”—1 ጢሞቴዎስ 1:15