ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 98

ክርስትና ናብ ብዙሓት ኣህዛብ ተዘርግሐ

ክርስትና ናብ ብዙሓት ኣህዛብ ተዘርግሐ

ሃዋርያት ነቲ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵላ ምድሪ ኺሰብኩ ዝሃቦም ትእዛዝ ይፍጽሙ ነበሩ። ብ47 ድ.ክ.፡ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት ንጳውሎስን ንበርናባስን ናይ ስብከት ጕዕዞ ኺገብሩ ለኣኽዎም። እዞም ክልተ ብቕንኣት ዚሰብኩ ሰበኽቲ ኸኣ ኣብ ብዘሎ ንእሽቶ እስያ ዞሩ፣ ናብ ደርቤን ልስጥራን ኢቆንዩምን ከኣ ከዱ።

ጳውሎስን በርናባስን ንሃብታም ኰነ ንድኻ፡ ንንእሽቶ ዀነ ንዓብዪ፡ ኰታስ ንዅሉ ሰብ ይሰብኩ ነበሩ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዚገልጽ ሓቂ ተቐበልዎ። ጳውሎስን በርናባስን ንሓደ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝስሙ ሹም ቆጵሮስ ምስ ሰበኹሉ፡ ሓደ ኣስማተኛ ዕንቅፋት ኪዀኖም ፈተነ። ጳውሎስ ከኣ ነቲ ኣስማተኛ፡ ‘የሆዋ ኺጻረረካ እዩ’ በሎ። ብቕጽበት ድማ፡ እቲ ኣስማተኛ ዓወረ። ሰርግዮስ ጳውሎስ ከኣ ነዚ ምስ ረኣየ ኣመነ።

ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ኵሉ ቦታ፡ እንተላይ ኣብ በቤትን ኣብ ዕዳጋን ኣብ መገድን ኣብ ምኵራባትን ይሰብኩ ነበሩ። ኣብ ልስጥራ ንሓደ ሓንካስ ምስ ኣሕወይዎ፡ እቶም ነቲ ተኣምር ዝረኣዩ ሰባት ንዓታቶም ከም ኣማልኽቲ ገይሮም ስለ ዝረኣይዎም፡ ኬምልኽዎም ፈተኑ። ጳውሎስን በርናባስን ግና፡ ‘ንኣምላኽ ጥራይ ኣምልኹ! ንሕና ሰባት ኢና’ ኢሎም ከልከልዎም። ሽዑ፡ ገሊኦም ኣይሁድ መጺኦም ነቶም ህዝቢ ኣንጻር ጳውሎስ ከም ዚልዓሉ ገበርዎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንጳውሎስ ብዳርባ እምኒ ጨፍጨፍዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም እውን ካብታ ኸተማ ወጻኢ ጐቲቶም ደርበይዎ። ጳውሎስ ግና ኣይሞተን ነይሩ። ሽዑሽዑ፡ ኣሕዋት ኪረድእዎ ኢሎም ናብኡ ኸዱ፣ ናብታ ኸተማ እውን ሒዞምዎ ተመልሱ። ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ናብ ኣንጾክያ ተመልሰ።

ብ49 ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ካልእ ጕዕዞ ገበረ። ነቶም ኣብ ንእሽቶ እስያ ዚነብሩ ኣሕዋት ከይዱ ድሕሪ ምብጻሑ፡ ነቲ ብስራት ክሳብ ኤውሮጳ ኣብጽሖ። ናብ ኣቴናን ኤፌሶንን ፊልጲን ተሰሎንቄን ናብ ካልእ ቦታታትን ከኣ ከደ። ኣብቲ ጕዕዞ ድማ ሲላስን ሉቃስን ጢሞቴዎስ ዚብሃል መንእሰይን ምስኡ ነበሩ። ብሓባር ኰይኖም ከኣ ጉባኤታት የቝሙን ኪድልድላ ይሕግዝወንን ነበሩ። ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ንኣሕዋት እናኣበርትዖም ዓመትን መንፈቕን ጸንሐ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ሰበኸ፡ መሃረ፡ ንብዙሓት ጉባኤታት እውን ደብዳበታት ጸሓፈ። ሰፋይ ድንኳን ኰይኑ እውን ይዓዪ ነበረ። ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ናብ ኣንጾክያ ተመልሰ።

ብ52 ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ካብ ንእሽቶ እስያ ሳልሳይ ጕዕዞ ጀመረ። ክሳብ ፊልጲ ድሕሪ ምኻድ፡ ናብ ቈረንቶስ ተጓዕዘ። ኣብ ኤፌሶን ከኣ እናመሃረን እናኣሕወየን ንጉባኤ እናሓገዘን እተወሰነ ዓመታት ጸንሐ። ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ እውን መዓልቲ መዓልቲ ህዝባዊ መደረ የቕርብ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ንትምህርቱ ሰሚዖም መገዶም ቀየሩ። ጳውሎስ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ነቲ ብስራት ድሕሪ ምስባኹ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ የሩሳሌም ከደ።

“ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።”—ማቴዎስ 28:19