ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 99

ሓደ ሓላው እሱራት ሓቂ ፈለጠ

ሓደ ሓላው እሱራት ሓቂ ፈለጠ

ኣብ ፊልጲ፡ ጋኔን ዝሓደራ ገረድ ነበረት። እቲ ጋኔን ከኣ ነታ ጓል ንጥንቈላ ይጥቀመላ ነበረ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንጐይተታ ብዙሕ ገንዘብ ተኽስቦም ነበረት። ጳውሎስን ሲላስን ናብ ፊልጲ ምስ ከዱ፡ ንብዙሕ መዓልትታት ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ሰዓበቶም። እቲ ጋኔን ከኣ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም ባሮት እቲ ልዑል ኣምላኽ እዮም” ኢላ ኸም እትጭድር ገበራ። ኣብ መወዳእታ፡ ጳውሎስ ነቲ ጋኔን፡ ‘ብስም የሱስ፡ ካብኣ ውጻእ!’ በሎ። እቲ ጋኔን ድማ፡ ነታ ጓል ሓደጋ።

ጐይተት እታ ጓል ድሕሪኡ ገንዘብ ከም ዘይተምጽኣሎም ምስ ፈለጡ፡ ብዙሕ ተቘጥዑ። ንጳውሎስን ንሲላስን ወጢጦም ናብቶም ኣመሓደርቲ ወሲዶም ከኣ፡ ‘እዞም ሰባት እዚኦም ሕጊ ይጥሕሱ፡ ንብዘላ ኸተማና እውን ይርብሽዋ ኣለዉ!’ በልዎም። እቶም ኣመሓደርቲ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ኪዝበጡ እሞ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርበዩ ኣዘዙ። እቲ እተረከቦም ሓላው እሱራት ከኣ ናብታ ዝወሸጠትን ዝጸልመተትን ክፍሊ ወሲዱ፡ ኣእጋሮም ኣብ ጕንዲ ኣሰሮ።

ጳውሎስን ሲላስን ከኣ ካልኦት እሱራት እናሰምዑ ንየሆዋ ብመዝሙር ይውድስዎ ነበሩ። ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ምስ ኰነ፡ ብሃንደበት ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንዅላ እታ ቤት ማእሰርቲ ኣናወጻ። እቲ መዓጹ እውን ተኸፍተ፣ እቶም እሱራት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ መቓውሕን ጕንድታትን እውን ተፈትሐ። እቲ ሓላው እሱራት ናብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ጐይዩ ኣተወ እሞ እቲ መዓጹ ተኸፊቱ ረኣየ። ኵሎም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ፡ ሰይፉ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየ።

ሽዑሽዑ፡ ጳውሎስ፡ “ኵላትና ኣብዚ ኣለና እሞ፡ ርእስኻ ኣይትጕዳእ!” ኢሉ ጨደረ። እቲ ሓላው እሱራት ከኣ ጐይዩ ኸይዱ ኣብ ቅድሚ ጳውሎስን ሲላስን ተደፍአ። “ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” ኢሉ እውን ሓተቶም። ንሳቶም ድማ፡ ‘ንስኻን ቤተ ሰብካን ብየሱስ እመኑ’ በልዎ። ጳውሎስን ሲላስን ከኣ ንዓታቶም ቃል የሆዋ መሃርዎም። እቲ ሓላው እሱራትን ኵሎም ቤተ ሰቡን እውን ተጠምቁ

“ኪሕዙኹምን ኪሰጕጉኹምን፡ ናብ ምኵራባትን ኣብያተ ማእሰርትን ከኣ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም እዮም። ምእንቲ ስመይ፡ ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ሹማምንትን ክትቀርቡ ኢኹም። እዚ ድማ ክትምስክሩ ኬኽእለኩም እዩ።”—ሉቃስ 21:12, 13