ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 100

ጳውሎስን ጢሞቴዎስን

ጳውሎስን ጢሞቴዎስን

ኣብ ጉባኤ ልስጥራ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሃል መንእሰይ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ግሪኻዊ ኣቦን ካብ ኣይሁዳዊት ኣደን እተወልደ ነበረ። እታ ኤውንቄ ዝስማ ኣዲኡን እታ ሎኢስ ዝስማ ዓባዩን ከኣ፡ ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዘን ብዛዕባ የሆዋ መሃራኦ።

ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ጕዕዞ ስብከቱ ናብ ልስጥራ ምስ ከደ፡ ጢሞቴዎስ ንኣሕዋት ከም ዜፍቅርን ኪሕግዞም ከም ዚደልን ኣስተብሃለሉ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ኣብቲ ጕዕዞ ኪኸይድ ዓደሞ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዘሕለፍዎ ግዜ ኸኣ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ንፉዕ ሰባኽን መምህርን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ኣሰልጠኖ።

መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንጳውሎስን ንጢሞቴዎስን ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ይመርሖም ነበረ። ሓደ ለይቲ፡ ሓደ ሰብኣይ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ናብ መቄዶንያ ኸይዱ ኺረድኦም ነገሮ። ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ሲላስን ሉቃስን ድማ ኪሰብኩን ጉባኤታት ኬቝሙን ኢሎም ናብኡ ኸዱ።

ኣብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ከተማ ተሰሎንቄ፡ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ክርስትያናት ኰኑ። ገሊኦም ኣይሁድ ግና ንጳውሎስን ንብጾቱን ቀንኡሎም። ናዕቢ ድሕሪ ምልዕዓሎም ከኣ፡ ንኣሕዋት ወጢጦም ናብ ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ወሰድዎም እሞ፡ ‘እዞም ሰባት እዚኦም ጸላእቲ መንግስቲ ሮሜ እዮም!’ ኢሎም ጨደሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ህይወት ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ኣብ ሓደጋ ስለ ዝነበረ፡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሃደሙ።

ሰብ ቤርያ ኸኣ ነቲ ብስራት ኪፈልጡ ይደልዩ ነበሩ፣ ግሪኻውያንን ኣይሁድን እውን ኣመኑ። ገሊኦም ኣይሁድ ካብ ተሰሎንቄ ምስ መጹ ግና፡ ኪርብሹ ጀመሩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ናብ ኣቴና ኸደ። ጢሞቴዎስን ሲላስን ግና ንኣሕዋት ኬበርትዑ፡ ኢሎም ኣብ ቤርያ ተረፉ። ኣብ ካልእ ግዜ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ናብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት ለኣኾ፣ ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ነቲ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኪኽእልዎ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ እዩ። ድሕሪኡ ድማ፡ ንብዙሓት ጉባኤታት እናበጽሐ ኼተባብዐን ኢሉ ለኣኾ።

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ‘እቶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚደልዩ፡ ኪስጐጉ እዮም’ ኢሉ ነገሮ። ጢሞቴዎስ ድማ ምእንቲ እምነቱ ተሰጒጉን ተኣሲሩን እዩ። ንየሆዋ ተኣማንነቱ ኼርኢ ኣጋጣሚ ብምርካቡ ኸኣ፡ ሕጉስ እዩ ነይሩ።

ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ፡ ‘ንጢሞቴዎስ እልእከልኩም ኣለኹ። ብሓቂ ምምልላስ እንታይ ማለት ምዃኑ ኺምህረኩም፡ ኣብ ኣገልግሎት እውን ኬሰልጥነኩም እዩ’ ኢሉ ጸሓፈሎም። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ይኣምኖ ነይሩ እዩ። ንብዙሕ ዓመታት ኣዕሩኽን መገላግልትን ኰይኖም ዓይዮም እዮም።

“ብዛዕባኹም ናይ ሓቂ ዚሓልስ፡ ካልእ ከምኡ የብለይን። ኵላቶምሲ ናይ ርእሶም ጥቕሚ እዮም ዚደልዩ እምበር፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን።”—ፊልጲ 2:20, 21