ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 103

“መንግስትኻ ትምጻእ”

“መንግስትኻ ትምጻእ”

የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኣተስፍዩ ኣሎ፦ ‘ደጊም ኣውያት ወይ ስቓይ ወይ ሕማም ወይ ሞት ኣይኪኸውንን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክደርዝ እየ። ኵሉ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረ ሕማቕ ነገራት ኪርሳዕ እዩ።’

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ብሰላምን ብሓጐስን ኪነብሩ ኢሉ እዩ ኣብ ገነት ኤደን ኣንቢርዎም። ንሰማያዊ ኣቦኦም ኬምልኽዎን ንምድሪ ብዘርኦም ኪመልእዋን ከኣ ነይርዎም። ኣዳምን ሄዋንን ግና ንየሆዋ ኣይተኣዘዝዎን። ይኹን እምበር፡ ዕላማ የሆዋ ፈጺሙ ኣይተቐየረን። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ኸም ዚፍጸም ርኢና ኢና። ከምቲ ንኣብርሃም ኣተስፍይዎ ዝነበረ ኸኣ፡ መንግስቱ ኣብ ምድሪ ዜደንቕ በረኸት ከተምጽእ እያ።

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኵሎም ክፉኣት ሰባትን ኣይኪህልዉን እዮም። ኵሎም እቶም ብህይወት ዚህልዉ ዘበሉ ንየሆዋ ኼምልኽዎ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣይክንሓምምን ወይ ኣይክንመውትን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ መዓልቲ መዓልቲ ሓይልና ተሓዲሱን ባህ ኢሉናን ካብ ድቃስና ኽንበራበር ኢና። ምድሪ ገነት ክትከውን እያ። ኵሉ ሰብ ከኣ ጥዑም ምግብን ጽቡቕ ቤትን ኪህልዎ እዩ። ሰባት ድማ ሕያዎት ደኣ እምበር፡ ሕሱማት ወይ ዓመጸኛታት ኣይኪዀኑን እዮም። ኣራዊት ኣይኪፈርሁናን እዮም፣ ንሕና እውን ኣይክንፈርሆምን ኢና።

የሆዋ ንሰባት ኬተንስእ ምስ ጀመረ፡ ዜሐጕስ እዋን ኪኸውን እዩ። ከም እኒ ኣቤል፡ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ሳራ፡ ሙሴ፡ ሩት፡ ኣስቴር፡ ዳዊት ዝኣመሰሉ ቐደም ዝሞቱ ሰባት እውን ብትንሳኤ ኽንቅበሎም ኢና። ምሳና ሓቢሮም ከኣ ንምድሪ ገነት ኪገብርዋ እዮም። ወትሩ ድማ ባህ ዜብል ብዙሕ ዕዮ ኺህሉ እዩ።

የሆዋ ንዓኻ፡ ኣብኡ ኽትህሉ ይደልየካ እዩ። ሽዑ ድማ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ኢኻ። እምበኣር፡ ሕጅን ንዘለኣለምን ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ንየሆዋ ብዝያዳ ንቕረቦ!

“ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእይ 4:11