ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

እተፈቶኹም ኣመንቲ ዝዀንኩም ብጾትና፦

ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈትዎ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ታሪኽን ንህይወትና ዜተኣማምን መምርሕን መርኣያ እቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕርን ምዃኑ ንኣምን ኢና። (መዝሙር 119:105፣ ሉቃስ 1:3፣ 1 ዮሃንስ 4:19) ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ንኻልኦት ንምምሃር ሓያል ድሌት ኣሎና። በዚ ዕላማ እዚ ተለዓዒልና ድማ፡ ነዛ፡ “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ” ዘርእስታ መጽሓፍ ኣዳሊናያ ኣለና። ፈለማ፡ ብዛዕባኣ ሒደት ክንገልጸልኩም ፍቐዱልና።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብቐዳምነት ንቘልዑ ተባሂላ እያ ተዳልያ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኺፈልጡ ንዚደልዩ ዓበይቲ እውን ከተገልግል ትኽእል እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ተባሂሉ እተዳለወ መጽሓፍ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ነዚ ትምህርትታት እዚ እንተ ኸሊስናዮ፡ ኵላትና ኽንጥቀም ንኽእል ኢና፣ እዚ ድማ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ገይራ ኻብ ፍጥረት ንነጀው ዘሎ ዛንታ ደቂ ሰብ ተዘንትወልና እያ። ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ በብተራኡ ብእተኻእለ መጠን ብንጹርን ብቐሊልን መገዲ ንምቕራብ፡ ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ።

እንተዀነ ግና፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምትራኽ ንላዕሊ እውን ትገብር እያ። እቲ ጽሑፍን እቲ ስእልታትን ንዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ኰይኑ ኸም ዚርኣየካን ንስምዒትካ ኸም ዚማርኾን ኰይኑ እዩ ተዳልዩ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰባት፡ ማለት ንየሆዋ ብዛዕባ ዚእዘዝዎን ብዛዕባ ዘይእዘዝዎን ሰባት ዜዘንቱ መጽሓፍ ምዃኑ ኽንግዘብ ትሕግዘና። ካብ ኣብነቶም ክንምሃር እውን ትድርኸና። (ሮሜ 15:4፣ 1 ቈረንቶስ 10:6) እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ 14 ኽፋል ኣለዋ። ኣብ መመጀመርታ ኽፋል፡ ጽማቝ ትሕዝቶ ገለ ኻብቲ ኣብኡ እንምሃሮ ትምህርትታት ኣሎ።

ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ትምህርቲ ምስ ውሉድካ ብሓባር ከተንብቦን በቲ ስእሊ ኸተመያይጦን ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ ክልቴኹም ነቲ እቲ ትምህርቲ እተመስረተሉ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ውሉድካ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበቦ ምስቲ ኣብዛ መጽሓፍ ዚርከብ ትምህርቲ ኼተሓሓዞ ሓግዞ። ንሓደ ዓብዪ ሰብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጥ ክትሕግዞ ኸለኻ፡ ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ውጽኢታዊ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ኵሎም ሰባት፡ ንንኣሽቱ ይኹን ንዓበይቲ፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ክትምህሮምን ንትምህርትታቱ ኣብ ህይወቶም ንምትግባር ክትሕግዞምን ተስፋ ንገብር። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንሳቶም እውን ኣባላት እቶም ፈቃራት ስድራ ቤት ኣምላኽ ብምዃን ኬምልኽዎ እዮም።

ኣሕዋትኩም፡

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር