ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ 1ይ ክፋል

መእተዊ 1ይ ክፋል

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጀመርታኡ ዛንታ ፍጥረት ሒዙ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዝፈጠሮ ጽቡቕ ነገራት ከኣ የዘንቱ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ውሉድካ ነቲ ዜደንቕ ብዝሒ ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረታት ኪርኢ ሓግዞ። ኣምላኽ ንዓና ንሰባት ክንዛረብን ክንሓስብን ክንምህዝን ክንዝምርን ክንጽልን ክእለት ብምሃብ፡ ካብ እንስሳታት ኣጸቢቕና ኸም እንበልጽ ገይሩ ኸም ዝፈጠረና እውን ሓብሮ። ንሓይልን ንጥበብን የሆዋ ኣድንቖት ኣሕድረሉ፣ ምናዳ ኸኣ ነታ ንዓና ንነፍሲ ወከፍናን ንፍጥረቱ ብሓፈሻን ዘላቶ ፍቕሪ ኣድንቖት ኣሕድረሉ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 1

ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ፈጠረ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ከም ዝፈጠረ ይገልጽ። ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ሓደ መልኣኽ ዝፈጠረ ስለምንታይ እዩ፧

ትምህርቲ 2

ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ

ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጢሩ ኣብ ገነት ኤደን ኣንበሮም። ስድራ ቤት ኪምስርቱን ንዅላ ምድሪ ገነት ኪገብርዋን ከኣ ይደልዮም ነበረ።