ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ 3ይ ክፋል

መእተዊ 3ይ ክፋል

ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ንየሆዋ ኸም ዘገልገልዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ። ሓደ ኻብቶም ዘገልገልዎ ኸኣ ኣብርሃም ይብሃል፣ ንሱ ዓርኪ የሆዋ ተባሂሉ ይፍለጥ ነይሩ እዩ። ስለምንታይ እዩ ዓርኪ የሆዋ ተባሂሉ ተጸዊዑ፧ ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንውሉድካ ኽትምህሮ ኸለኻ፡ የሆዋ ብእኡ ኸም ዚግደስን ኪሕግዞ ኸም ዚደልን ኣረድኣዮ። ከምቲ ኸም እኒ ኣብርሃምን ሎጥን ያእቆብን ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ዝገበርዎ፡ ከይተሰከፍና ኻብ የሆዋ ሓገዝ ክንልምን ንኽእል ኢና። የሆዋ ንዅሉ እቲ ዝኣተዎ ቓል ከም ዚሕልዎ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 7

ግምቢ ባቤል

ገሊኦም ሰባት ከተማ ኪሰርሑ፡ ክሳብ ሰማይ ዚበጽሕ ግምቢ ድማ ኪሃንጹ ወሰኑ። ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ብሃንደበት በብዓይነቱ ቛንቋታት ከም ዚዛረቡ ዝገበረ፧

ትምህርቲ 8

ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ

ኣብርሃምን ሳራን ነቲ ኣብ ከተማ ዝነበሮም ህይወት ሓዲጎም ኣብ ምድሪ ከነኣን ኰለል ዚብሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ትምህርቲ 9

ኣብ መወዳእታኡ ወዲ ወለዱ!

ኣምላኽ ነቲ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ተስፋ ብኸመይ እዩ ፈጺምዎ፧ ነቲ ተስፋ ኣብ ምፍጻም እጃም ዝነበሮ ይስሃቅ ድዩ ወይስ እስማኤል፧

ትምህርቲ 10

ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ

ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን፡ ሓውን ዲንን ኣዝነመ። ስለምንታይ እየን እተን ከተማታት እቲአን ጠፊአን፧ ስለምንታይ ኢና ንሰበይቲ ሎጥ ክንዝክራ ዘሎና፧

ትምህርቲ 11

ናይ እምነት ፈተና

ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ‘ነቲ ሓደ ወድኻ ወሲድካ፡ ኣብ ምድሪ ሞርያ ኣብ ዚርከብ ከረን ሰውኣዮ’ በሎ። ኣብርሃም ነዚ ናይ እምነት ፈተና እንታይ ምላሽ ሂቡሉ፧

ትምህርቲ 12

ያእቆብ ውርሲ ወረሰ

ይስሃቅን ርብቃን፡ ኤሳውን ያእቆብን እተባህሉ ማንታ ኣወዳት ወለዱ። ኤሳው መጀመርታ ስለ እተወልደ፡ ፍሉይ ውርሲ ንምውራስ መሰል ነበሮ። ስለምንታይ እዩ ነዚ ብጸብሒ ሸይጥዎ፧

ትምህርቲ 13

ያእቆብን ኤሳውን ተዓርቁ

ያእቆብ ካብ መልኣኽ በረኸት ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ ከመይ ገይሩ እዩኸ ምስ ኤሳው እተዓርቀ፧