መእተዊ 4ይ ክፋል
እዚ ኽፋል እዚ ምስ ዮሴፍን እዮብን ሙሴን እስራኤላውያንን የላልየና። ድያብሎስ ንዅላቶም ብዙሕ መከራ ኣውሪዱሎም እዩ። ገሊኣቶም ኣደዳ ግፍዕን ማእሰርትን ባርነትን ሞትን ኰይኖም እዮም። የሆዋ ግና ብእተፈላለየ መገድታት ኣዕቊብዎም እዩ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ እዞም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኦም መከራ እናኣሕለፉ ኽነሶም ከመይ ገይሮም እምነቶም ከም ዘየጥፍኡ ንደቅኻ ኣረድኣዮም።
የሆዋ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸም ዚሕይል ኼርኢ ኢሉ፡ ዓሰርተ መዓት ተጠቒሙ እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብኸመይ ከም ዘዕቈቦም፡ ሎሚ እውን ብኸመይ ከም ዜዕቍቦም ኣጕልሕ።