ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ 4ይ ክፋል

መእተዊ 4ይ ክፋል

እዚ ኽፋል እዚ ምስ ዮሴፍን እዮብን ሙሴን እስራኤላውያንን የላልየና። ድያብሎስ ንዅላቶም ብዙሕ መከራ ኣውሪዱሎም እዩ። ገሊኣቶም ኣደዳ ግፍዕን ማእሰርትን ባርነትን ሞትን ኰይኖም እዮም። የሆዋ ግና ብእተፈላለየ መገድታት ኣዕቊብዎም እዩ። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ እዞም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኦም መከራ እናኣሕለፉ ኽነሶም ከመይ ገይሮም እምነቶም ከም ዘየጥፍኡ ንደቅኻ ኣረድኣዮም።

የሆዋ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸም ዚሕይል ኼርኢ ኢሉ፡ ዓሰርተ መዓት ተጠቒሙ እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብኸመይ ከም ዘዕቈቦም፡ ሎሚ እውን ብኸመይ ከም ዜዕቍቦም ኣጕልሕ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 14

ንኣምላኽ እተኣዘዘ ባርያ

ዮሴፍ ቅኑዕ እኳ እንተ ገበረ፡ ብዙሕ መከራ ኣሕለፈ። ስለምንታይ፧

ትምህርቲ 15

የሆዋ ንዮሴፍ ፈጺሙ ኣይረስዖን

ዮሴፍ ካብ ቤተ ሰቡ ርሒቑ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ።

ትምህርቲ 16

እዮብ መን ነበረ፧

ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ፡ ንየሆዋ ተኣዚዝዎ።

ትምህርቲ 17

ሙሴ ንየሆዋ ኼምልኽ መረጸ

ሙሴ ብሕጻንነቱ፡ በቲ ኣዲኡ እተጣበበቶ ሜላ ህይወቱ ደሓነ።

ትምህርቲ 18

እታ እትነድድ ቈጥቋጥ

እቲ ሓዊ ነታ ቘጥቋጥ ዘይበልዓ ስለምንታይ እዩ፧

ትምህርቲ 19

እቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት

ፈርኦን ብትዕቢት ተደሪኹ ሓደ ቐሊል ነገር ምግባር ስለ ዝኣበየ፡ ኣብ ህዝቡ መዓት ኣምጽአ።

ትምህርቲ 20

እቲ ዝሰዓበ ሽዱሽተ መዓት

እዚ መዓታት እዚ ኻብቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት ብምንታይ ይፍለ ነይሩ፧

ትምህርቲ 21

እቲ ዓስራይ መዓት

እዚ መዓት እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ብምንባሩ፡ ፈርኦን እውን እንተ ዀነ ኣብ መወዳእታ ኢዱ ሃበ።

ትምህርቲ 22

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተገብረ ተኣምር

ፈርኦን በቲ ዓሰርተ መዓት እኳ እንተ ዘይሞተ፡ ካብዚ ኣምላኽ ዝገበሮ ተኣምር ግና ድሒኑ ድዩ፧