ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ 5ይ ክፋል

መእተዊ 5ይ ክፋል

እስራኤላውያን ካብቲ ንቐይሕ ባሕሪ ዝሰገሩሉ ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ኣብ ከረን ሲና በጽሑ። ኣብኡ ኸኣ የሆዋ ንእስራኤላውያን ፍሉይ ህዝቡ ምእንቲ ኺገብሮም ኢሉ ምሳታቶም ኪዳን ተኣታተወ። ካብ ጸገማት የዕቍቦምን ዜድልዮም ዘበለ ዅሉ ይህቦምን ነበረ፣ ዚበልዕዎ ማናን ዚኽደንዎ ኽዳንን ዚነብርሉ ውሑስ ቦታን ሃቦም። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ስለምንታይ ሕግን ማሕደርን ክህነትን ከም ዝሃቦም ንውሉድካ ኣረድኣዮ። ቃልና ምሕላውን ብትሕትና ምምልላስን ወትሩ ንየሆዋ እሙን ምዃንን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሕ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 23

ንየሆዋ እተመባጽዑሉ መብጽዓ

እስራኤላውያን ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ሰፊሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንኣምላኽ ፍሉይ መብጽዓ ተመባጽዑሉ።

ትምህርቲ 24

መብጽዓኦም ኣፍረሱ

ሙሴ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኪቕበል ምስ ከደ፡ እቶም ህዝቢ ኸቢድ ሓጢኣት ገበሩ።

ትምህርቲ 25

ንኣምልኾ ዚኸውን ማሕደር

ኣብዚ ፍሉይ ድንኳን እዚ፡ ታቦት ኪዳን ነበረ።

ትምህርቲ 26

እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ

እያሱን ካሌብን ካብቶም ንምድሪ ተስፋ ዝሰለዩ ዓሰርተ ሰለይቲ እተፈልዩ ነበሩ።

ትምህርቲ 27

ካብ የሆዋ ዓለዉ

ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን 250 ሰብኡትን ብዛዕባ የሆዋ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ኣየስተውዓሉን።

ትምህርቲ 28

ኣድጊ በላዓም ተዛረበት

እታ ኣድጊ ነቲ ንበላዓም ዘይተራእዮ መልኣኽ ረኣየቶ።