መእተዊ 5ይ ክፋል
እስራኤላውያን ካብቲ ንቐይሕ ባሕሪ ዝሰገሩሉ ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ኣብ ከረን ሲና በጽሑ። ኣብኡ ኸኣ የሆዋ ንእስራኤላውያን ፍሉይ ህዝቡ ምእንቲ ኺገብሮም ኢሉ ምሳታቶም ኪዳን ተኣታተወ። ካብ ጸገማት የዕቍቦምን ዜድልዮም ዘበለ ዅሉ ይህቦምን ነበረ፣ ዚበልዕዎ ማናን ዚኽደንዎ ኽዳንን ዚነብርሉ ውሑስ ቦታን ሃቦም። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ስለምንታይ ሕግን ማሕደርን ክህነትን ከም ዝሃቦም ንውሉድካ ኣረድኣዮ። ቃልና ምሕላውን ብትሕትና ምምልላስን ወትሩ ንየሆዋ እሙን ምዃንን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሕ።