ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ 6ይ ክፋል

መእተዊ 6ይ ክፋል

እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ማሕደር ኣብኡ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዀነ። ካህናት ከኣ ሕጊ ሙሴ ይምህሩ ነበሩ፣ መሳፍንቲ ወይ ፈራዶ እውን ነቲ ህዝቢ ይመርሕዎ ነበሩ። ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ሓደ ሰብ ዚውስኖ ውሳነታትን ዚገብሮ ተግባራትን ኣብ ካልኦት ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ተገሊጹ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ሰብን ብሕታዊ ሓላፍነት ነበሮ። ነቲ ዴቦራን ናእሚን እያሱን ሃናን ጓል ይፍታሕን ሳሙኤልን ኣብ ማሕበረሰቦም ዘሕደርዎ ጽልዋ ኣጕልሕ። ከም እኒ ረሃብ፡ ሩት፡ ያዔል፡ ጊብዖናውያን ዝኣመሰሉ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት፡ ኣምላኽ ምስ እስራኤላውያን ከም ዝዀነ ፈሊጦም ምሳታቶም ኪውግኑ ኸም ዝወሰኑ እውን ኣጕልሕ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 29

የሆዋ ንእያሱ መረጾ

ኣምላኽ ንእያሱ ዝሃቦ መምርሒ፡ ሎሚ ንዓና እውን ኪጠቕመና ይኽእል እዩ።

ትምህርቲ 30

ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም

መካበብያ ያሪኮ ፈረሰ። ቤት ረሃብ ግና ኣብቲ መካበብያ እቲ ተሃኒጻ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣይፈረሰትን።

ትምህርቲ 31

እያሱን ጊብዖናውያንን

እያሱ ናብ ኣምላኽ፡ ‘ኣቲ ጸሓይ፡ ደው በሊ’ ኢሉ ጸለየ። እሞኸ ኣምላኽ መሊሱሉዶ፧

ትምህርቲ 32

ሓድሽ መራሕን ክልተ ተባዓት ኣንስትን

እያሱ ምስ ሞተ፡ እስራኤላውያን ንጣኦታት ኬምልኹ ጀመሩ። ድሕሪኡ ምስ ተሸገሩ፡ ካብ ባራቅን ካብ ነብዪት ዴቦራን ካብ ያዔልን ረድኤት ረኸቡ።

ትምህርቲ 33

ሩትን ናእሚን

ሰብኡተን ዝሞትወን ክልተ ኣንስቲ ናብ እስራኤል ተመልሳ። ሩት ዝስማ ሓንቲ ኻባታተን ክትዓዪ ናብ ግራውቲ ምስ ከደት ድማ፡ ቦኣዝ ዚብሃል ሰብኣይ ረኣያ።

ትምህርቲ 34

ጊዴዎን ንሚድያናውያን ሰዓሮም

ሚድያናውያን ንእስራኤላውያን ምስ ኣሸገርዎም፡ ህዝቢ እስራኤል ካብ የሆዋ ረድኤት ለመኑ። እሞኸ ጊዴዎንን ሒደት ሰራዊቱን ከመይ ገይሮም እዮም ን135,000 ተዋጋእቲ ዝሰዓሩ፧

ትምህርቲ 35

ሃና ወዲ ኺውሃባ ጸለየት

ኤልቃና ንሃናን ንጵኒናን ንደቁን ኣብ ሺሎ ናብ ዝነበረ ማሕደር ወሰዶም። ኣብኡ ኸኣ ሃና ወዲ ኺውሃባ ጸለየት። ድሕሪ ዓመት ድማ፡ ሳሙኤል ተወልደ።

ትምህርቲ 36

መብጽዓ ይፍታሕ

ይፍታሕ እንታይ መብጽዓ እዩ ተመባጺዑ፧ ስለምንታይከ፧ ጓል ይፍታሕ ብዛዕባ መብጽዓ ኣቦኣ ምስ ፈለጠት እንታይ ገይራ፧

ትምህርቲ 37

የሆዋ ንሳሙኤል ተዛረቦ

ደቂ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብቲ ማሕደር ካህናት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ፣ ሕግታት ኣምላኽ ግና ኣይእዘዙን ነበሩ። እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል ግና ካባታቶም እተፈልየ ነበረ። ሓደ ለይቲ፡ የሆዋ ንሳሙኤል ተዛረቦ።

ትምህርቲ 38

የሆዋ ንሲምሶን ኣሐየሎ

ኣምላኽ ንሲምሶን፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ ኢሉ ኣሐየሎ፣ ሲምሶን ሕማቕ ውሳነ ምስ ገበረ ግና፡ ፍልስጥኤማውያን ሓዝዎ።