ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ 7ይ ክፋል

መእተዊ 7ይ ክፋል

እዚ ኽፋል እዚ፡ ኣስታት 80 ዓመት ዝንውሓቱ ታሪኽ ህይወት ንጉስ ሳኦልን ንጉስ ዳዊትን ይሽፍን። ኣብ ፈለማ፡ ሳኦል ትሑትን ንኣምላኽ ዚፈርህን ሰብ ነበረ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ተቐየረ፡ መምርሒ የሆዋ ምስዓብ እውን ኣበየ። የሆዋ ኸኣ ነዓቖ፣ ድሕሪኡ እውን፡ ንሳሙኤል፡ ንዳዊት ኣብ እስራኤል ኪነግስ ኪቐብኦ ኣዘዞ። ሳኦል ስለ ዝቐንአ፡ ንዳዊት ኪቐትሎ ብዙሕ ሳዕ ፈተነ፣ ዳዊት ግና ሕነ ኣይፈደየን። ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ፡ የሆዋ ንዳዊት ከም ዝሓረዮ ስለ ዝፈለጠ፡ ንዳዊት እሙን ኰነ። ጸኒሑ ዳዊት ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚ ኸቢድ ሓጢኣት ገበረ። ተግሳጽ የሆዋ ምቕባል ግና ኣይኣበየን። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንስርዓት ኣምላኽ ወትሩ ምድጋፍ ዘለዎ ኣገዳስነት ንውሉድካ ኣረድኣዮ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 39

ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል

ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ ዚመርሕዎም ፈራዶ ወይ መሳፍንቲ እኳ እንተ ሃቦም፡ ንሳቶም ግና ንጉስ ደለዩ። ሳሙኤል ከኣ ቀዳማይ ንጉስ ቀብኣሎም፣ ደሓር ግና የሆዋ ንሳኦል ከይነግስ ነዓቖ። ስለምንታይ፧

ትምህርቲ 40

ዳዊትን ጐልያድን

የሆዋ ንዳዊት፡ ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ሓረዮ፣ እዚ ጽቡቕ ምርጫ ምዃኑ ድማ ዳዊት ኣርኣየ።

ትምህርቲ 41

ዳዊትን ሳኦልን

ሓደ ኻብዚኣቶም ነቲ ሓደ ዚጸልኦ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ እተጸልአ ግና እንታይ እዩ ገይሩ፧

ትምህርቲ 42

እቲ ተባዕን እሙንን ዮናታን

ወዲ ንጉስ እሙን ዓርኪ ዳዊት ኰነ።

ትምህርቲ 43

ሓጢኣት ንጉስ ዳዊት

ሕማቕ ውሳነ ናብ ብዙሕ ሽግር ይመርሕ።