ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ 9ይ ክፋል

መእተዊ 9ይ ክፋል

እዚ ኽፋል እዚ፡ ኣብ የሆዋ እተደንቕ እምነት ብዛዕባ ዝነበረቶም ቈልዑን መንእሰያትን ነብያትን ነገስታትን ይገልጸልና። ኣብ ሶርያ፡ ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል፡ ነብዪ የሆዋ ንንእማን ኬሕውዮ ኸም ዚኽእል እምነታ ገለጸት። ነብዪ ኤልሳእ፡ የሆዋ ኻብ ሰራዊት ጸላኢ ኸም ዜዕቍቦ ምሉእ እምንቶ ነበሮ። የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ንዮኣስ ካብታ ዓታልያ እትብሃል እክይቲ ዓባዩ ኼዕቍቦ ኢሉ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእተወ። ንጉስ ህዝቅያስ፡ የሆዋ ንየሩሳሌም ከም ዜናግፋ እምንቶ ኣሕደረ፣ ብኣሶራውያን እውን ኣይተምበርከኸን። ንጉስ ዮስያስ ድማ፡ ኣምልኾ ጣኦት ካብታ ምድሪ ኣጥፍአ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ጸገና፡ ነቶም ህዝቢ እውን ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ መለሶም።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 51

እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን

ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ንእመቤታ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ሓይሊ የሆዋ ነገረታ። እዚ እውን ናብ ተኣምር መርሐ።

ትምህርቲ 52

ናይ የሆዋ ሰራዊት ሓዊ

ጊልያ ኤልሳእ፡ ‘ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ኸም ዚበዝሑ’ ርእዩ እዩ።

ትምህርቲ 53

ትብዓት የሆያዳ

ሓደ እሙን ካህን ብትብዓት ንሓንቲ እክይቲ ንግስቲ ተቓወማ።

ትምህርቲ 54

የሆዋ ንዮናስ ተዓገሶ

ሓደ ነብዪ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ እዩ ብዓብዪ ዓሳ እተዋሕጠ፧ ካብኡኸ ኸመይ ኢሉ እዩ ዝወጸ፧ የሆዋኸ እንታይ ትምህርቲ ምሂርዎ፧

ትምህርቲ 55

መልኣኽ የሆዋ ንህዝቅያስ ኣዕቈቦ

ጸላእቲ ይሁዳ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዘየዕቍብ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ ዓብዪ ጌጋ እዮም ተጋግዮም!

ትምህርቲ 56

ዮስያስ ሕጊ ኣምላኽ ይፈቱ ነበረ

ዮስያስ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከሎ፡ ንጉስ ይሁዳ ዀነ፣ ንህዝቡ ድማ ንየሆዋ ኼምልኽዎ ሓገዞም።