ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ 10ይ ክፋል

መእተዊ 10ይ ክፋል

የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንጉስ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኻብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ዝዀነ ኣይነበረን፣ ብሕጂ እውን ኣይኪህሉን እዩ። ንኣብነት፡ ንኤርምያስ ካብቲ ኺመውት እተደርበየሉ ጕድጓድ ኣድሒንዎ እዩ። ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ድማ ካብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኣድሒንዎም እዩ። ንዳንኤል ከኣ ካብ ኣፍ ኣናብስ ኣድሒንዎ እዩ። የሆዋ ንኣስቴር ስለ ዘዕቈባ፡ ንሳ ንብዘሎ ህዝባ ኸተድሕን ክኢላ እያ። የሆዋ፡ እከይ ንሓዋሩ ኪቕጽል ኣይፈቅድን እዩ። ትንቢታት እቲ ዓብዪ ምስልን እታ ዓባይ ኦምን፡ መንግስቲ የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዅሉ እከይ ካብ ምድሪ ኸም እተወግድን ንምድሪ ኸም እትገዝኣን ውሕስነት ይህበና እዩ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 57

የሆዋ ንኤርምያስ ኪሰብኽ ለኣኾ

እዚ ንእሽቶ ነብዪ እተዛረቦ ቓል ንዓበይቲ ይሁዳ ብዙሕ ኣቘጥዖም።

ትምህርቲ 58

የሩሳሌም ጠፍአት

ህዝቢ ይሁዳ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ፣ ስለዚ፡ የሆዋ ሓደጎም።

ትምህርቲ 59

ንየሆዋ እተኣዘዙ ኣርባዕተ መንእሰያት

መንእሰያት ኣይሁድ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን እውን እንተ ዀነ ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ቘረጹ።

ትምህርቲ 60

ንዘለኣለም እትነብር መንግስቲ

ዳንኤል ንነቡካድነጻር፡ ትርጉም እቲ ፍልይ ዝበለ ሕልሙ ይገልጸሉ።

ትምህርቲ 61

ኣይሰገዱን

ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ዝገበሮ ምስሊ ወርቂ ምስጋድ ኣበዩ።

ትምህርቲ 62

ከም ዓባይ ኦም ዝኣመሰለት መንግስቲ

ሕልሚ ነቡካድነጻር ብዛዕባ መጻኢኡ ዚገልጽ ትንቢት ነበረ።

ትምህርቲ 63

ኣብ መንደቕ እተጻሕፈት ጽሕፈት

እዛ ምስጢራዊት ጽሕፈት መዓስ ተራእያ፧ ትርጉማኸ እንታይ እዩ፧

ትምህርቲ 64

ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ

ከም ዳንኤል፡ መዓልቲ መዓልቲ ናብ የሆዋ ጸሊ!

ትምህርቲ 65

ኣስቴር ንህዝባ ኣድሓነቶም

ጓና እኳ እንተ ነበረት፡ ካብ ዝኽትምና ተላዒላ ንግስቲ ዀነት።

ትምህርቲ 66

እዝራ ሕጊ ኣምላኽ መሃረ

እስራኤላውያን ንእዝራ ምስ ሰምዕዎ፡ ንኣምላኽ ፍሉይ መብጽዓ ተመባጽዑሉ።

ትምህርቲ 67

መካበብያ የሩሳሌም

ነህምያ፡ ጸላእቶም ኬጥቅዑ ውዲት ከም ዝኣለሙ ፈለጠ። እሞ ደኣ ስለምንታይ እዩ ዘይፈርሀ፧