መእተዊ 10ይ ክፋል
የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንጉስ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኻብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ዝዀነ ኣይነበረን፣ ብሕጂ እውን ኣይኪህሉን እዩ። ንኣብነት፡ ንኤርምያስ ካብቲ ኺመውት እተደርበየሉ ጕድጓድ ኣድሒንዎ እዩ። ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ድማ ካብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኣድሒንዎም እዩ። ንዳንኤል ከኣ ካብ ኣፍ ኣናብስ ኣድሒንዎ እዩ። የሆዋ ንኣስቴር ስለ ዘዕቈባ፡ ንሳ ንብዘሎ ህዝባ ኸተድሕን ክኢላ እያ። የሆዋ፡ እከይ ንሓዋሩ ኪቕጽል ኣይፈቅድን እዩ። ትንቢታት እቲ ዓብዪ ምስልን እታ ዓባይ ኦምን፡ መንግስቲ የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዅሉ እከይ ካብ ምድሪ ኸም እተወግድን ንምድሪ ኸም እትገዝኣን ውሕስነት ይህበና እዩ።