ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መእተዊ መበል 13 ኽፋል

መእተዊ መበል 13 ኽፋል

የሱስ ህይወቱ ንዘይፍጹማት ሰባት ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህብ እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። ዋላ እኳ እንተ ሞተ፡ ንዓለም ሰዓራ። የሆዋ ኸኣ ንወዱ እሙን ስለ ዝዀነ፡ ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። የሱስ ድማ ክሳዕ ሞቱ፡ ብትሕትና ንሰባት ኣገልገለ፡ ንጌጋታቶም ይቕረ እውን በለሎም። ድሕሪ ትንሳኤኡ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። ነቲ ዝሃቦም ኣገዳሲ ዕዮ ኸመይ ገይሮም ከም ዚዓይይዎ ድማ መሃሮም። ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ሎሚ ኣብዚ ዕዮ እዚ እጃም ከም ዘሎና ንውሉድካ ኣረድኣዮ።

ኣብዚ ኽፋል እዚ

ትምህርቲ 87

ናይ መወዳእታ ድራር የሱስ

የሱስ ኣብቲ ምስ ሃዋርያቱ ዝበልዖ ናይ መወዳእታ ድራር፡ ኣገዳሲ መምርሒታት ሃቦም።

ትምህርቲ 88

የሱስ ተታሕዘ

ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንየሱስ ምእንቲ ኺሕዝዎ ኢሉ ኣስያፍን ኣባትርን ንዝሓዙ ህዝቢ ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ መሪሕዎም መጸ።

ትምህርቲ 89

ጴጥሮስ ንየሱስ ከሓዶ

ኣብ ኣጸድ እንዳ ቀያፋ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤትከ የሱስ እንታይ ይኸውን ነይሩ፧

ትምህርቲ 90

የሱስ ኣብ ጐልጎታ ሞተ

ስለምንታይ እዩ ጲላጦስ፡ የሱስ ኪቕተል ዝፈቐደ፧

ትምህርቲ 91

የሱስ ተንስአ

ድሕሪ ሞት የሱስ ኣብ ዝነበራ መዓልትታት፡ እንታይ ዜደንቕ ነገራት ኰይኑ፧

ትምህርቲ 92

የሱስ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ተራእዮም

ኣቓልቦኦም ንምርካብ እንታይ ገይሩ፧

ትምህርቲ 93

የሱስ ናብ ሰማይ ተመልሰ

ከምኡ ቕድሚ ምግባሩ ግና፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ መምርሒታት ሃቦም።