መዝሙር 10
ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!
-
1. ወድሱ! ’ወ ንየሆዋ!
ብዛዕባ ስሙ ንገሩ!
መዓልቱ ቐሪባ’ላ ’ሞ፡
መልእኽቱ ንዅሉ ሓብሩ።
የሆዋ ኣምላኽ ኣዊጁ ኣሎ፡
እቲ ወዱ ዚነግሰሉ፣
ተስፋ መጻኢ፡ ብስራት ሓቂ፡
ብልክዕ ይብጻሕ ንዅሉ!
(ኣዝማች)
ወድሱ! ’ወ ንየሆዋ!
ንዅላ ምድሪ ሓብርዋ!
-
2. ወድሱ! በሉ ዘምሩ!
ስሙ ኣውጁ፡ መስክሩ!
ካብ ልቢ፡ ካብ ሕጉስ ልቢ፡
ብትብዓት ኣውጁ ንኽብሩ።
ዓብዪ ’ተ ዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡
ዝለበሰ’ዩ ትሕትና፣
መሓሪ ኣቦ ብምዃኑ’ውን
ይሰምዕ ንምህለላና።
(ኣዝማች)
ወድሱ! ’ወ ንየሆዋ!
ንዅላ ምድሪ ሓብርዋ!
(መዝ. 89:27፣ 105:1፣ ኤር. 33:11 እውን ርአ።)