ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 12

የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ

የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ

(ዘጸኣት 34:6, 7)

  1. 1. ዓብዪ ኣምላኽና፡ ስምካ የሆዋ፡

    ብሓይሊ ዀነ ጥበብ

    መዳርግቲ ዘይብልካ፣

    ፈቃር፡ ፍትሓዊ፡ ሰናይ ኢኻ’ሞ፡

    ውዳሰና ይብጻሕካ።

  2. 2. ኣየ ለውሃትካ ኽንደይ ይጥዕም!

    ሓመድ’ኳ ኽነስና፡

    ኵሉ ሳዕ ትሓልየልና፣

    ትሕብሕበና፡ ተስተምህረና፡

    ትሰምዖ’ውን ጸሎትና።

  3. 3. ሰማይን ምድርን ይዝምሩልካ።

    ልዕል ነብለካ’ና

    ድምጽና ዓው ኣቢልና።

    ዓብዪ ኣምላኽና፡ ስምካ የሆዋ፡

    ተቐበል ውዳሰና።