ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 18

ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

(ሉቃስ 22:20)

  1. 1. ሎሚ፡ የሆዋ

    እነና ኣብ ቅድሜኻ፡

    ኣርኢኻና ኢኻ’ሞ

    መስተንክር ፍቕርኻ።

    ፍቑር ወድኻ’ውን

    ሰዊእካ ስለና፡

    መወዳድርቲ ዘይብሉ

    ውህበት ሂብካና።

    (ኣዝማች)

    በጃ ዀይኑ ንሓርነት፡

    ደሙ ሂቡ ንናጽነት።

    ልባዊ ምስጋና ይብጻሕካ፡

    ኦ ወሃብ ህይወት።

  2. 2. ብፍቓዱ የሱስ

    ከፊሉ ህይወቱ፡

    ብፍቕሪ ተደሪኹ

    ምእንታና ሞይቱ።

    ብዘይ ተስፋ ንነብር

    ኔርና ኣብ ጸልማት፡

    ሕጂ ግን ክንብሎ ኢና

    ደሓን ኩን ንሞት።

    (ኣዝማች)

    በጃ ዀይኑ ንሓርነት፡

    ደሙ ሂቡ ንናጽነት።

    ልባዊ ምስጋና ይብጻሕካ፡

    ኦ ወሃብ ህይወት።