መዝሙር 19
ድራር ጐይታ
-
1. ኦ የሆዋ ፈቃር ኣቦና፡
ቅድስቲ ምሸት’ያ ሎሚ።
በዛ ምሸት ’ዚኣ፡ ተራእዩ ፍቕርኻ፡
ናትካ ፍትሒ፡ ጥበብ፡ ሓይሊ።
ገንሸል ፋስጋ ተበሊዑ፣
ህዝብኻ ሓራ ወጺኡ።
ዘመናት ጸኒሑ ደም ጐይታ ፈሲሱ፣
ኪፍጸም ትንቢት ኣብ ግዜኡ።
-
2. ቅድሜና ’ንሀ ቕጫን ወይንን፣
ዜዘክር ዓባይ ፍቕርኻ፣
ወድኻ ሂብካና፡ ኪኸውን በጃና፡
እዙዝ’ውን ነይሩ ንዓኻ።
ይብጻሕካ ዕዙዝ ምስጋናና፣
ስለቲ ዝኸፈልካልና።
ወድኻ ሞይቱልና፡ በጃ ኸፊሉልና፣
ካብ ኵነኔ ሞት’ውን ድሒንና።
-
3. ተኣኪብና’ለና ቕድሜኻ፡
ኢና’ውን ናትካ መጓሰ፣
ነታ ሓያል ፍቕሪ፡ ከነምጽእ ክብሪ፡
ንቕዱስ ስምካ ውዳሰ።
ነዚ በዓል ዝኽሪ ንዝክር፡
ብልብናን በእምሮናን፣
ወትሩ ንመላለስ፡ ብኣሰር ክርስቶስ፡
ሰብ ህይወት ዘልኣለም ክንከውን።
(ሉቃ. 22:14-20፣ 1 ቈረ. 11:23-26 እውን ርአ።)