ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 24

ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ

ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ

(ኢሳይያስ 2:2-4)

  1. 1. ነልዕል ኣዒንትና፡

    ናብ በረኽቲ ዅርባታት።

    ኣብኡ ኸረን የሆዋ

    ’ንሀ ልዕል ኢሉ።

    ህዝቢ ’መጹ ’ለዉ፡

    ካብ ርሑቕ፡ ካብ ጫፍ ምድሪ።

    ‘ንያህ ንተኣዘዞ፡’

    ’ናተባሃሃሉ።

    ኣኺሉ ግዜኡ

    ንእሽቶስ ብርቱዕ ዚዀነሉ።

    በረኸት ኣምላኽና

    ንርኢ’ለና ኣብ ህይወትና።

    ይውሕዙ ኣለዉ

    ናብ ኣምላኽና ሚልዮናት።

    ኣትዮም’ዮም መብጽዓ

    ኪዀኑ ’ወ እሙናት።

  2. 2. የሱስ ኣዚዙና፡

    ኬድና ቓሉ ኽንሰብኽ።

    ሕጂ ይንገር ኣሎ

    ብስራት መንግስቲ።

    የሱስ ነጊሱ’ሎ፡

    ይድሀ’ሎ ንዑ’ሉ።

    ኪሰምዑ’ውን ድምጹ፡

    ከይመጸት ’ታ መዓልቲ።

    ክንደይ ባህ ዜብል’ዩ፡

    ምስሳን ’ቶም ብዙሓት ህዝቢ።

    እጃምና ’ተ ጌርና፡

    ሓጐስና ይፍልፍል ካብ ልቢ።

    ‘ንዑ ናብ የሆዋ፡

    ናብቲ ቕዱስ ከረኑ፡’

    ኢልና ንደሃዮም፡

    መታን ህዝቡ ኪዀኑ።