መዝሙር 28
ፈታው የሆዋ ምዃን
(መዝሙር 15)
-
1. ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡
መን’ዩ ፈታዊኻ፧
መን’ዩ ጋሻኻ እትኣምኖ፧
መን’ዩ ዚፈልጠካ፧
ዚኣምን ብኣኻ፡
ዚቕበል ንቓልካ፡
እሙን፡ ፍትሓዊ፡ ፈታው ሓቂ
ዚስልም ድንኳንካ።
-
2. ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡
መን’ዩ ፈታዊኻ፧
መን’ዩ ባህ ዜብል ንልብኻ፧
መን’ዩ ዚቐርበካ፧
ክብ ዜብል ንስምካ፡
ስርዓትካ ዚሕሉ፡
ቅኑዕ ዝልቡ፡ ዘየታልል፡
ዘይልውጥ ንቓሉ።
-
3. ናባኻ ንሓድጎ፡
ንዅሉ ጭንቀትና፡
ፍቕርኻ ዀነ ኽንክንካ
የቀራርበና።
ትምኒት ልብና’ዩ፡
ምዃን ፈተውትኻ፣
ኣበይ ’ሞ ’ርከብ እሙን ዓርኪ
ዝበለ ኸማኻ።
(መዝ. 139:1፣ 1 ጴጥ. 5:6, 7 እውን ርአ።)