ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 33

ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ

ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ

(መዝሙር 55)

  1. 1. ኦ የሆዋ ጽን በለኒ፡

    ኣይትተሓባእ ካባይ፡

    ንኸይፈርህ ሓግዘኒ፡

    ተረድኣለይ ውሽጠይ።

    (ኣዝማች)

    ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣

    ንሱ’ውን ኪድግፈካ’ዩ።

    እሙን’ዩ ንእሙናቱ፣

    ’ወ ገጹ ንዚደልዩ።

  2. 2. ከም ርግቢ እንተ ዝኸውን፡

    በኽናፈይ ምነፈርኩ፣

    ካብቶም ጐዳእተይ ርሒቐ፡

    በረኻ ምሓደርኩ።

    (ኣዝማች)

    ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣

    ንሱ’ውን ኪድግፈካ’ዩ።

    እሙን’ዩ ንእሙናቱ፣

    ’ወ ገጹ ንዚደልዩ።

  3. 3. ናብ ኣምላኽ እየ ዝምህለል፡

    ክዕቈብ ኣብ ትሕቲኡ።

    ይህብ’ዩ ሰላም ብብዝሒ፡

    ብርታዐ’ውን ብኸምኡ።

    (ኣዝማች)

    ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣

    ንሱ’ውን ኪድግፈካ’ዩ።

    እሙን’ዩ ንእሙናቱ፣

    ’ወ ገጹ ንዚደልዩ።

(መዝ. 22:5፣ 31:1-24 እውን ርአ።)