ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 34

ብንጽህና ኽመላለስ እየ

ብንጽህና ኽመላለስ እየ

(መዝሙር 26)

  1. 1. ኦ የሆዋ ጐይታይ ፍረደለይ፣

    ተወኪለ ’ባኻ፡ ሓልየ ንጽህናይ።

    ውሽጢ ልበይ ሃየ መርምረኒ፣

    ነፍሰይ ክትባረኽ፡ ኰታ ኣንጽሃኒ።

    (ኣዝማች)

    ቈሪጸ’የ፡ ኣንቂደ ኻብ ልበይ፣

    ክመላለስ እየ፡ ሓልየ ንጽህናይ።

  2. 2. ምስ ሓሰውቲ ኸቶ ኣይቅመጥን፣

    ሓቂ ምስ ዚጸልኡ ጥራስ ኣይሓብርን።

    ምስ እኩያት ኣይትለክመኒ፣

    ንነፍሰይ ሓልዋ፡ ካብኦም ኣድሕነኒ።

    (ኣዝማች)

    ቈሪጸ’የ፡ ኣንቂደ ኻብ ልበይ፣

    ክመላለስ እየ፡ ሓልየ ንጽህናይ።

  3. 3. ኣፍቂረዮ ነቲ ቤት ማሕደርካ፣

    ካብ ልበይ ፈትየዮ ንጹህ ኣምልኾኻ።

    ክዞሮ’የ ንመሰውኢኻ፣

    ብዓውታ ኸዘንቱ ዅሉ ተግባራትካ።

    (ኣዝማች)

    ቈሪጸ’የ፡ ኣንቂደ ኻብ ልበይ፣

    ክመላለስ እየ፡ ሓልየ ንጽህናይ።

(መዝ. 25:2 እውን ርአ።)