መዝሙር 35
‘ዚሓይሽ መርምሩ’
(ፊልጲ 1:10)
-
1. ኣድላዪ’ዩ ምዃን ኣስተውዓልቲ፡
መታን ክንፈልጥ ሓቂ፣
ወሳኒ’ዩ ዚሓይሽ ክንምርምር፡
መታን ክንገብር ጽድቂ።
(ኣዝማች)
ክፉእ ንጽላእ፣ ሰናይ ንፍቶ፣
ኣይንዓሹ፣
ወትሩ ንመላለስ ብልቦና፣
’ናስተውዓልና፣
ንመሚ ዚሓይሽ መርሚርና።
-
2. ብስራት መንግስቲ ኻብ ምእዋጅ፡
ዚሓይሽ እንታይ ኣሎ፧
ንሓቂ ዚጸምኡ ኻብ ምንዳይ፡
ዚበልጽ እንታይ ኣሎ፧
(ኣዝማች)
ክፉእ ንጽላእ፣ ሰናይ ንፍቶ፣
ኣይንዓሹ፣
ወትሩ ንመላለስ ብልቦና፣
’ናስተውዓልና፣
ንመሚ ዚሓይሽ መርሚርና።
-
3. ዚሓይሽ ዘበለ ምስ ’ንገብር፡
ዕግበት ’ረክብ ልብና።
ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም፡
’ሕልዎ ነእምሮና።
(ኣዝማች)
ክፉእ ንጽላእ፣ ሰናይ ንፍቶ፣
ኣይንዓሹ፣
ወትሩ ንመላለስ ብልቦና፣
’ናስተውዓልና፣
ንመሚ ዚሓይሽ መርሚርና።
(መዝ. 97:10፣ ዮሃ. 21:15-17፣ ፊል. 4:7 እውን ርአ።)