ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 37

ብምሉእ ነፍሰይ ንየሆዋ አገልግሎ እየ

ብምሉእ ነፍሰይ ንየሆዋ አገልግሎ እየ

(ማቴዎስ 22:37)

  1. 1. ኦ የሆዋ፡ ልዑላዊ፡

    እፈትወካ’የ፡ አፍቅረካ።

    ኣምላኸይ’ውን ብምዃንካ፡

    ተወፋይነት ’ግብኣካ።

    እሕሉ’የ ንትእዛዛትካ፣

    እፈትዎ’የ ስርዓታትካ፣

    (ኣዝማች)

    ኦ የሆዋ፡ ውፉይ እየ

    ብምሉእ ነፍሰይ ከምልኸካ።

  2. 2. ኦ ኣቦ፡ ፍጥረትካ ዅሉ፡

    ይእውጅ ኣሎ ልዕልናኻ።

    ኣነ’ውን ከምቲ መብጽዓይ

    ከፍልጥ እየ ዓብዪ ስምካ።

    ንዓኻ’የ ዘገልግለካ፡

    ደስ ይብለኒ’ዩ ፍቓድካ።

    (ኣዝማች)

    ኦ የሆዋ፡ ውፉይ እየ

    ብምሉእ ነፍሰይ ከምልኸካ።