መዝሙር 37
ብምሉእ ነፍሰይ ንየሆዋ አገልግሎ እየ
-
1. ኦ የሆዋ፡ ልዑላዊ፡
እፈትወካ’የ፡ አፍቅረካ።
ኣምላኸይ’ውን ብምዃንካ፡
ተወፋይነት ’ግብኣካ።
እሕሉ’የ ንትእዛዛትካ፣
እፈትዎ’የ ስርዓታትካ፣
(ኣዝማች)
ኦ የሆዋ፡ ውፉይ እየ
ብምሉእ ነፍሰይ ከምልኸካ።
-
2. ኦ ኣቦ፡ ፍጥረትካ ዅሉ፡
ይእውጅ ኣሎ ልዕልናኻ።
ኣነ’ውን ከምቲ መብጽዓይ
ከፍልጥ እየ ዓብዪ ስምካ።
ንዓኻ’የ ዘገልግለካ፡
ደስ ይብለኒ’ዩ ፍቓድካ።
(ኣዝማች)
ኦ የሆዋ፡ ውፉይ እየ
ብምሉእ ነፍሰይ ከምልኸካ።