ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 38

ኬበርትዓካ እዩ

ኬበርትዓካ እዩ

(1 ጴጥሮስ 5:10)

  1. 1. ብምኽንያት’ዩ ኣምላኽ ናብኡ ስሒቡካ፣

    ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣውጺኡካ።

    ኣብ ልብኻ ርእዩ ዅሉ ሃረርታኻ፣

    ፈታው ጽድቅን ቅንዕናን ምዃንካ፣

    ቃል ኣቲኻ ኽትገብር ፍቓዱ፣

    ኪረድኣካስ ጽናዕ ኣብ መገዱ።

    (ኣዝማች)

    ብደም የሱስ ዓዲጉ፡

    ገይሩካ ጥሪቱ፣

    ኬበርትዓካ’ዩ

    ብምዃንካ ናቱ።

    ከውሕኻ’ዩ ዕቝባኻ

    ኣብ ምሉእ ህይወትካ፡

    ኬበርትዓካ’ዩ፡

    እወ ኼጽንዓካ።

  2. 2. ኣምላኽ ሂቡ ወዱ፡ እወ፡ ምእንታኻ፣

    ድሌቱ’ዩ ዅሉ ኺሰልጠካ።

    ብልግሲ ኻብ ሃበ ነቲ ሓደ ወዱ፡

    የበርትዕ’ዩ በታ ሓያል ኢዱ።

    ኣይርስዖን እምነትካ፡ ፍቕርኻ፣

    ኪሕብሕበካ’ዩ፡ ኪሓልየልካ።

    (ኣዝማች)

    ብደም የሱስ ዓዲጉ፡

    ገይሩካ ጥሪቱ፣

    ኬበርትዓካ’ዩ

    ብምዃንካ ናቱ።

    ከውሕኻ’ዩ ዕቝባኻ

    ኣብ ምሉእ ህይወትካ፡

    ኬበርትዓካ’ዩ፡

    እወ ኼጽንዓካ።