ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 39

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ይሃልወና

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ይሃልወና

(መክብብ 7:1)

  1. 1. ንደሊ ኢና ንምጥራይ ጽቡቕ ስም፣

    ባህጊ ኣሎና ፍቓድ ያህ ክንፍጽም።

    ቅኑዕ እንተ ጌርና፡ ’ተ ሓሊና ቓሉ፡

    ንልቡ ሓጐስ ነምጽኣሉ።

  2. 2. ብላሽ ከንቱ’ዩ፡ ናይዛ ዓለም ዝና፣

    ናእዳኣ ዀነ ’ትህቦ ምስጋና።

    እንተ ብሂግናያ፡ ፈተውታ ’ተ ዄንና፡

    ስምረት የሆዋ የስእነና።

  3. 3. ልዑል ኣምላኽና፡ ስምና ኺዝክሮ፡

    ኣብ መጽሓፉ’ውን፡ ኪጽሕፎ፡ ኬስፍሮ፣

    ነዚ ’ና ንምነ፡ ናብ ሓቂ ንለግብ፡

    ወትሩ ንስምና ንኽንዕቅብ።