መዝሙር 39
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ይሃልወና
(መክብብ 7:1)
-
1. ንደሊ ኢና ንምጥራይ ጽቡቕ ስም፣
ባህጊ ኣሎና ፍቓድ ያህ ክንፍጽም።
ቅኑዕ እንተ ጌርና፡ ’ተ ሓሊና ቓሉ፡
ንልቡ ሓጐስ ነምጽኣሉ።
-
2. ብላሽ ከንቱ’ዩ፡ ናይዛ ዓለም ዝና፣
ናእዳኣ ዀነ ’ትህቦ ምስጋና።
እንተ ብሂግናያ፡ ፈተውታ ’ተ ዄንና፡
ስምረት የሆዋ የስእነና።
-
3. ልዑል ኣምላኽና፡ ስምና ኺዝክሮ፡
ኣብ መጽሓፉ’ውን፡ ኪጽሕፎ፡ ኬስፍሮ፣
ነዚ ’ና ንምነ፡ ናብ ሓቂ ንለግብ፡
ወትሩ ንስምና ንኽንዕቅብ።