ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 50

ጸሎት ወፈያ

ጸሎት ወፈያ

(ማቴዎስ 22:37)

  1. 1. እንሀ ምሉእ ልበይ፡

    የፍቅሮ ንሕግኻ፣

    እንሀልካ ልሳነይ፡

    ይዘምር ውዳሰኻ።

  2. 2. እንሀ ኢደ እግረይ፡

    ኵሉ ሳዕ የገልግልካ፣

    እንሀልካ ገንዘበይ፡

    ኣይበቅቆን’የ ንዓኻ።

  3. 3. እንሀልካ ህይወተይ፡

    ይፈጽም’ውን ፍቓድካ፣

    እንሀ ዅለንተናይ፡

    ኦ ኣምላኽ፡ ባህ የብልካ።