ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 51

ንኣምላኽ ውፉያት ኢና

ንኣምላኽ ውፉያት ኢና

(ማቴዎስ 16:24)

  1. 1. የሆዋ’ዩ ናብ ክርስቶስ ስሒቡና፣

    ደቀ መዛሙርቱ ገይሩና።

    የሆዋ ኻብ ዝፋኑ፡

    ልኢኹ’ሎ ብርሃኑ፡

    ደልዲላ’ውን እምነትና፡

    ክንስዕቦ’ና ወሲንና።

    (ኣዝማች)

    ንኣምላኽ ውፉያት ኢና፡ ብምርጫና፣

    ከነገልግሎ’ና ተሓጒስና።

  2. 2. ንኣምላኽ ከነገልግሎ ቓል ኣቲና፣

    ክንእዘዞ’ውን’ዩ ድሌትና።

    ፍሉይ’ዩ ዓብዪ መሰል፡

    ንየሆዋ ምግልጋል፡

    ብዛዕባ ስሙ ምንጋር፡

    ብስራት’ውን ምብሳር።

    (ኣዝማች)

    ንኣምላኽ ውፉያት ኢና፡ ብምርጫና፣

    ከነገልግሎ’ና ተሓጒስና።