መዝሙር 56
ንሓቂ ኣጥርያ
-
1. መገዲ ሓቂ ብልጽቲ መገዲ’ያ፣
’ቲ ውሳነ ግን እዩ ናትካ።
እሞ ስምዓዮ ንምዕዶታት የሆዋ፣
ሓቂ’ዩ ዅሉ ዚብለካ።
(ኣዝማች)
ንሓቂ ’ጥርያ።
’ወ ህያው ትዅነልካ።
ሽዑ፡ ክትሕጐስ፡
ክትድሰት ኢኻ፣
ንሓቂ ምስ ኣጥረኻ።
-
2. ምእንቲ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ’ታ መንግስቱ፡
እትጽዕሮ ዘበለ ጻዕሪ፣
ህይወት ዘልኣለም፡ ህይወት ብዘይ መከራ፡
ጥዑም ህይወት’ዩ ዚፈሪ።
(ኣዝማች)
ንሓቂ ’ጥርያ።
’ወ ህያው ትዅነልካ።
ሽዑ፡ ክትሕጐስ፡
ክትድሰት ኢኻ፣
ንሓቂ ምስ ኣጥረኻ።
-
3. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ገና ሕጻናት ኢና፣
ምኽርን መምርሕን ዜድልየና።
’ሞ ንመላለስ ምስቲ ፈቃር ኣቦና፣
በረኸቱ ’ናፍሰሰልና።
(ኣዝማች)
ንሓቂ ’ጥርያ።
’ወ ህያው ትዅነልካ።
ሽዑ፡ ክትሕጐስ፡
ክትድሰት ኢኻ፣
ንሓቂ ምስ ኣጥረኻ።
(መዝ. 26:3፣ ምሳ. 8:35፣ 15:31፣ ዮሃ. 8:31, 32 እውን ርአ።)