ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 56

ንሓቂ ኣጥርያ

ንሓቂ ኣጥርያ

(ምሳሌ 3:1, 2)

  1. 1. መገዲ ሓቂ ብልጽቲ መገዲ’ያ፣

    ’ቲ ውሳነ ግን እዩ ናትካ።

    እሞ ስምዓዮ ንምዕዶታት የሆዋ፣

    ሓቂ’ዩ ዅሉ ዚብለካ።

    (ኣዝማች)

    ንሓቂ ’ጥርያ።

    ’ወ ህያው ትዅነልካ።

    ሽዑ፡ ክትሕጐስ፡

    ክትድሰት ኢኻ፣

    ንሓቂ ምስ ኣጥረኻ።

  2. 2. ምእንቲ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ’ታ መንግስቱ፡

    እትጽዕሮ ዘበለ ጻዕሪ፣

    ህይወት ዘልኣለም፡ ህይወት ብዘይ መከራ፡

    ጥዑም ህይወት’ዩ ዚፈሪ።

    (ኣዝማች)

    ንሓቂ ’ጥርያ።

    ’ወ ህያው ትዅነልካ።

    ሽዑ፡ ክትሕጐስ፡

    ክትድሰት ኢኻ፣

    ንሓቂ ምስ ኣጥረኻ።

  3. 3. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ገና ሕጻናት ኢና፣

    ምኽርን መምርሕን ዜድልየና።

    ’ሞ ንመላለስ ምስቲ ፈቃር ኣቦና፣

    በረኸቱ ’ናፍሰሰልና።

    (ኣዝማች)

    ንሓቂ ’ጥርያ።

    ’ወ ህያው ትዅነልካ።

    ሽዑ፡ ክትሕጐስ፡

    ክትድሰት ኢኻ፣

    ንሓቂ ምስ ኣጥረኻ።