ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 58

ንፈተውቲ ሰላም ንድለዮም

ንፈተውቲ ሰላም ንድለዮም

(ሉቃስ 10:6)

  1. 1. የሱስ ኣዚዙ ኺስበኽ ሓቂ፡

    ቃል የሆዋ ኣበሲሩ፡

    ሓዲጉ ኣብነት ጽድቂ፣

    ነባጊዕ ኣምላኽ ነይርዎ ፍቕሪ፡

    ኪደልየን’ውን፡ ኬናድየን

    ዞይሩ ’ብታ ምድሪ።

    ንሕና ድማ ብወገንና፡

    ነበስር ከይተሓለልና፡

    ኣብ በቤት ኰነ ፍቐዶ ጐደና።

    (ኣዝማች)

    ነናድዮም

    ንፈተውቲ ሰላም ብትግሃት፣

    ንድለዮም’ውን

    ንዓቃላት፡ ነቶም ቅኑዓት፣

    ሃየ ንምሃር፡

    ንትሑታት።

  2. 2. ህይወት ከነድሕን ሎሚ ንቃለስ፡

    ንጽዓረሎም፡ ከይንጥዓስ፡

    ግዜስ ኣይኰነን ዚምለስ።

    ፍቕሪ ሓያል’ያ ትድርኸና፡

    ክንምለሶም ደጋጊምና

    ኸይተሓለልና።

    ምስ ረኸብና ልቡ ትሑት፡

    ደላይ ሓቂ፡ ፈታው ለውሃት፡

    ተሓጒስና መመሊስና ንጽዕት።

    (ኣዝማች)

    ነናድዮም

    ንፈተውቲ ሰላም ብትግሃት፣

    ንድለዮም’ውን

    ንዓቃላት፡ ነቶም ቅኑዓት፣

    ሃየ ንምሃር፡

    ንትሑታት።