መዝሙር 62
ሓድሽ መዝሙር
(መዝሙር 98)
-
1. ሃየ ዘምሩ፡ ንኣምላኽና ሓድሽ መዝሙር፣
ብዛዕባ ተግባሩ ሃቡሉ ምስክር።
ስለ ቕልጽሙ፡ ስለ ዓወቱ ዘምሩ፣
ፍትሒ’ዩ ዚፍጽም፡
ጽድቂ’ዩ ተግባሩ።
(ኣዝማች)
ዘምሩ!
ብመዝሙር ወድሱ፣
ዘምሩ!
የሆዋ ነጊሱ።
-
2. ሃየ ጨድሩ፡ ንኣምላኽና እልል በሉ፣
ንስሙ ወድሱ፡ ክብሪ ኣምጽኡሉ።
ንዑ ዘምሩ፡ ምድሪ ትምላእ ብእልልታ፣
ብደሃይ በገና
ዀነ ብእምብልታ።
(ኣዝማች)
ዘምሩ!
ብመዝሙር ወድሱ፣
ዘምሩ!
የሆዋ ነጊሱ።
-
3. ባሕርን ምልኣቱን፡ ኵሉ ፍጥረት’ውን ይወድስ፣
ምስ ፍጥረት ሓቢርና፡ ንኣምላኽ ነመጕስ።
ምልእቲ ምድሪ፡ ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ኣኽራን፡
ንኣምላኽ ይሃቦ፡
ውዳሰን ምስጋናን።
(ኣዝማች)
ዘምሩ!
ብመዝሙር ወድሱ፣
ዘምሩ!
የሆዋ ነጊሱ።