መዝሙር 64
ኣብ ቀውዒ ብሓጐስ ንሳተፍ
-
1. ግዜና ፍልይ ዝበለ’ዩ፡
ኣብ ቀውዒ ኢና ’ንነብር፣
’ቲ እኽሊ ተዳልዩ ንዓጺድ፡
ንሕና’ውን እጃምና ንግበር።
ክርስቶስ ኣብነት ኰይኑና፡
ዘሪኡ ብዘይ ዕረፍቲ፣
ንስዓቦ ተሓጒስና’ውን ንዕየ፡
መታን ክንሓፍስ ምህርቲ።
-
2. ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣላትና፡
ንኣምላኽ ኰነ ንሰባት፣
ስለዚ ተጊህና ንዓዪ፡
ኣብ ምምሃር ኰነ ኣብ ስብከት።
ሓጐስና መዘና የብሉን፡
መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፣
ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንትጋህ፡
ምእንቲ ኺባርኸና።
(ማቴ. 24:13፣ 1 ቈረ. 3:9፣ 2 ጢሞ. 4:2 እውን ርአ።)