ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 64

ኣብ ቀውዒ ብሓጐስ ንሳተፍ

ኣብ ቀውዒ ብሓጐስ ንሳተፍ

(ማቴዎስ 13:1-23)

  1. 1. ግዜና ፍልይ ዝበለ’ዩ፡

    ኣብ ቀውዒ ኢና ’ንነብር፣

    ’ቲ እኽሊ ተዳልዩ ንዓጺድ፡

    ንሕና’ውን እጃምና ንግበር።

    ክርስቶስ ኣብነት ኰይኑና፡

    ዘሪኡ ብዘይ ዕረፍቲ፣

    ንስዓቦ ተሓጒስና’ውን ንዕየ፡

    መታን ክንሓፍስ ምህርቲ።

  2. 2. ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣላትና፡

    ንኣምላኽ ኰነ ንሰባት፣

    ስለዚ ተጊህና ንዓዪ፡

    ኣብ ምምሃር ኰነ ኣብ ስብከት።

    ሓጐስና መዘና የብሉን፡

    መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፣

    ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንትጋህ፡

    ምእንቲ ኺባርኸና።