ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝሙር 67

“ነቲ ቓል ስበኽ”

“ነቲ ቓል ስበኽ”

(2 ጢሞቴዎስ 4:2)

  1. 1. የሆዋ ዕዮ ሂቡና፣

    ብህጹጽ ክንገብሮ ኣዚዙና።

    ወትሩ ኽንጸንሕ ተዳሊና፡

    ምላሽ ክንህብ ነቶም ዚሓትቱና።

    (ኣዝማች)

    ’ሞ ንስበኮ፡

    መታን ኪሰምዕ ኵሉ፣

    ንስበኮ፡

    መታን ኪበጽሖም ቃሉ።

    ንስበኮ፡

    ኪሕገዙ ዓቃላት።

    ንስበኮ፡

    ካብ ጻት ንጻት!

  2. 2. ’ተ መጸ እዋን ጸበባ፡

    ’ተ መሰለ’ኳ ዘይብልና ዕቝባ፡

    ኣይነቋርጾን ንስብከትና፣

    ንውከል ኣብቲ ልዑል ኣምላኽና።

    (ኣዝማች)

    ’ሞ ንስበኮ፡

    መታን ኪሰምዕ ኵሉ፣

    ንስበኮ፡

    መታን ኪበጽሖም ቃሉ።

    ንስበኮ፡

    ኪሕገዙ ዓቃላት።

    ንስበኮ፡

    ካብ ጻት ንጻት!

  3. 3. ብእዋን ራህዋ ንምህር፣

    ሓቂ ንዚጸምኡ’ውን ነበስር።

    መገዲ ድሕነት ነረድኦም፣

    ስም የሆዋ ኣምላኽና ነፍልጦም።

    (ኣዝማች)

    ’ሞ ንስበኮ፡

    መታን ኪሰምዕ ኵሉ፣

    ንስበኮ፡

    መታን ኪበጽሖም ቃሉ።

    ንስበኮ፡

    ኪሕገዙ ዓቃላት።

    ንስበኮ፡

    ካብ ጻት ንጻት!