መዝሙር 71
ሰራዊት የሆዋ ኢና!
(ዮኤል 2:7)
-
1. ሰራዊት የሆዋ’ና፡
ሰዓብቲ የሱስ፣
ጸላእቲ ’ኳ ’ተ’ለዉ፡
ንቕድሚት ንግስግስ።
ነገልግሎ ተጊህና፣
ንስበኽ ኣብ ኵሉ።
ብቘራጽነት’ውን፡
ንኣውጅ ቃሉ።
(ኣዝማች)
ሰራዊት የሆዋ’ና፡
ስሙራት ልቢ፣
መንግስቱ ንእውጅ፡
ንዅሉ ህዝቢ።
-
2. ገላዉ የሆዋ’ና፡
ሰበኽቲ ጽድቂ።
ነባጊዑ ንደሊ፡
ንፈተውቲ ሓቂ።
ደጋጊምና ንኸዶም፡
ከይተሓለልና።
ምእንቲ ኺመጹ፡
ናብ ቤት ኣምላኽና።
(ኣዝማች)
ሰራዊት የሆዋ’ና፡
ስሙራት ልቢ፣
መንግስቱ ንእውጅ፡
ንዅሉ ህዝቢ።
-
3. ሰራዊት የሆዋ’ና፡
እተዓጠቕና፣
ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ’ውን፡
ጸኒዕና ዝቘምና።
ጥንቁቓት ’ኳ ’ተ ዀንና፡
ኢና ገርህታት፣
ኣብ እዋን ፈተና፡
ወትሩ እሙናት።
(ኣዝማች)
ሰራዊት የሆዋ’ና፡
ስሙራት ልቢ፣
መንግስቱ ንእውጅ፡
ንዅሉ ህዝቢ።